Navigation

Inhaltsbereich

ኣብ ስዊኦዘርላንድ ናይ ህጹጽ ኩነታት ቁጽሪ ስልኪታት ኣየኖት ምዃነን፣ ንስነ ኣእምራውን ኣካላውን ወይ ከኣ ወሲባዊ ዓመጽ ዝምልከት ሓገዝ ኣበይ ከም ዝርከብ፣ ኣየአኖት ካልኦት ኣገልግሎታት ምኽሪ ኣብ ግራውብዩንደን ከም ዝርከቡን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ገጽ‘ዚ ትረኽቡ።

ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ህጹጽ ኩነታት ቁጽሪታት ስልኪ ኣየኖት እየን?

ናይ ህጹጽ ግዜ ቁጽርታት ኣብ ስዊዘርላንድ ብ24/7 ክርከብ ይኽእል

  • ፖሊስ: 117
  • መጥፋእቲ ሓዊ (ሓዊ፡ ማይ፡ ጋዝ): 118
  • ኣምቡላንስ: 144
  • ናይ ህጹጽ ግዜ ቁጽሪ (ፖሊስ፡ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣምቡላንስ): 112
  • ናይ ስዊስ ናይ ኣየር ረድኤት (Swiss Air Rescue) - (REGA፡ ሄሊኮፕተር ምድሓን ነፍሲ): 1414
  • ምምራዝ (ምስ መርዚ ዝተሓሓዝ ማእከል ሓበሬታ): 145
  • ሓገዝ ቴሌፎን ንቆልዑን መንእሰያትን: 147

ጥርኑፍ ሓበሬታ ብዛዕባ ቀረብ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣብ Graubünden (ግራውብዪንደን) ኣበይ እረክብ?

ኣብ ናይ ካንቶን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ሓበሬታ ጥራዝ ክፋል ኣድራሻታት ናይ ሞያን ምኽርን ኣገልግሎታት ተመዝጊቦም ይርከቡ። ኣብቲ ዝርዝር ንዓኹም ዘገድስ ቀረብ እንተ ዘይረኸብኩም፣ ማእከል ሓበሬታ ምውህሃድ (Fachstelle Integration) Grabenstrasse 1, 7001 Chur እናተሕጎሰ ክሕግዘኩም ይኽእል። ብቁጽሪ ስልኪ 081 257 36 83 ወይ ከኣ ብኢመይል info@integration.gr.ch. ኣቢልኩም ተራኸቡና።

ኣብ ዝርዝር ናይ ኢንተርነት መስመር "find-help GR" ቀረባት ምኽርን ደገፍን ብዛዕባ ጥዕናን ማሕበረ ሰባዊ ጉዳያትን ትረኽቡ። ናይ መድለዪ ቃልን ኣድራሻኹምን ሂብኩም፣ ከም ውጽኢት ኣብ ጥቓኹም ዝርከቡ ቀረባት ትርእዩ።

ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ፣ ኣካላዊ፣ ወይ ወሲባዊ ጥቑዕ እየ፣ ኣበይ ረዲኤት ክረክብ ይኽእል?

ኣብ ስዊዘርላንድ ኩሎም ብዓመጽ ኣካሎም ወይ ስነ ኣእምሮኦም ዝተጎድኡ፣ ወይ ከኣ ጥቑዓት ወሲባዊ ግህሰት ዝኾኑ፣ ብመሰረት Opferhilfegesetz (ሕጊ ደገፍ ንግዳያት) ደገፍን ሓገዝን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ መርበብ ኢንተርነት opferhilfe-schweiz.ch ሓገዝ ናይ ጥቑዓት እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ንመን ከም ዝምልከቶን ዘቤታዊ፣ ወሲባዊ፣ ወይ ኣካላዊ ዓመጽ ዝወረዶም ኣበይ ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን ይግለጽ፣ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታታት ብ 15 ቋንቋታት ተቐሪቡ ኣሎ።

ኣገልግሎት ምኽሪ Opferhilfe Graubünden (ረዲኤት ጥቑዓት Graubünden) ናይ ዓመጽ ጥቕዓት ንዝበጽሖም ደቂ ኣንስትዮን፣ ደቂ ተባዕትዮን፣ቆልዑን መንእሰያትን ምኽርን ደገፍን ይህብ። ዝህቦ ኣገልግሎት ምኽሪ ዘይክፈሎን፣ ብምስጢር ዝዕቀብን፣ እንተ ተደልየ ኸኣ ብስም ዘይምዝገብን እዩ። ምስ Opferhilfe Graubünden (ረዲኤትጥቑዓት Graubünden) ብቁጽሪ ስልኪ 081 257 31 50 ወይ ከኣ ብኢመይል opferhilfe@soa.gr.ch. ምርኻብ ይከኣል።

ኣብ ህጹጽ ኩነት ፖሊስ ጸውዑ። ቁጽሪ ስልኪ - 117!

Frauenhaus Graubünden (መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ Graubünden) እንታይ እዩ?

ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ንዝወርድ ኣካላውን ስምዒታውን መጥቃዕቲ ከውሊ ይህብ። ቀትርን ለይትን ክርከብ ይከኣል።