Navigation

Inhaltsbereich

ንኣባል ስድራ ቤት ካብ ወጻኢ ኣስዒብካ ምእታው ዝምልከቱ ሕቶታት ንመን ክትውክሱ ከም ዝግብኣኩም፣ ንዝጠፍኡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ምድላይ መን ከም ዝሕግዘኩምን፣ ንግዱድ መርዓ ብዝምልከት ጉዳይ ካበይ ደገፍን፣ ምኽርን ክትረኽቡ ከም ትኽእሉን፣ ነዝን ካልኦት ተወሰኽቲ ሕቶታትን ኣብዛ መርበብ ኢንተርነት እዚኣ መልሲ ትረኽቡ።

ንኣባል ስድራ ቤት ካብ ወጻኢ ኣስዒብካ ምእታው ዝምልከቱ ሕቶታት ኣለዉኒ፣ መን ክሕግዘኒ ይኽእል?

ንመሰል ኣባል ስድራ ቤት ስደተኛታት ናብ ስዊዘርላንድ ኣስዒብካ ምእታው ዝምልከቱ ናይ ሕጊ መምርሒታት ዝተሓላለኹ እዮም። ብመሰረቱ ንተፈላጥነት ዝረኸቡ ዑቑባት (Ausweis B)፣ ብ

ዝያዊነት መሰል ምእታው ንዝረኸቡ ስደተኛታት (Ausweis F) ከምኡውን ብግዝያዊነት መሰል ምእታው ንዝረኸቡ ሰባት (Ausweis F) ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ኣለዉ።

Bündner Beratungsstelle für Asylsuchende (ፈደራላዊ ኣገልግሎት ምኽሪ ንሓተትቲ ዑቕባ ) ኣባል ስድራ ቤት ኣስዒብካ ኣብ ምእታው ደገፍን ምኽርን ይህብ። ከከም ዓይነት ናይ መሰል ዑቕባ ወረቐት መንነት ክፍሊት ይሕተቶ።

ኣብ ናይ ኢንተርነት መስመር Schweizerischen Flüchtlingshilfe (ስዊዘርላንዳዊ ሓገዝ ንስደተኛታት) ጥርኑፍ ሓበሬታ ብዛዕባ ወረቓቕቲ መንነት፣ መሰል ዑቕባን፣ ኣገደስቲ ደራጃታት መሰላትን፥ ንኣብነት ከም ኣባል ስድራ ቤት ኣስዒብካ ምእታው፣ምቕያር ካንቶን፣ ስራሕ፣ ማሕበረ ሰባዊ ደገፍ፣ ወይ ከኣ ናብ ወጻኢ ሃገር ምጋሽ ትረኽቡ።

ኣብ ናይ መግለጺ ቪድዮ "ምጽንባር ስድራ ቤት ኣብ ስዊዘርላንድ" ናይ Schweizerisches Rotes Kreuz (ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ) መን መሰል ናይ ኣባል ስድራ ቤት ኣስዒብካ ምእታው ከም ዘለዎ፣ ወይ ከኣ ኣየኖት ናይ ምጽባይ ቆጸራታት ምህላዎም ትሕበሩ። እቲ ናይ መግለጺ ቪድዮ ብቋንቋታት ዓረብ፣ ዳሪ /ፋርሲ፣ እንግሊዝ፣ ታሚልን ቱርኩን ይርከብ።

ቀረባይ ዝኾነ ሰብ ጠፊኡኒ ኣሎ፣ ኣየናይ ኣካል እዩ ክሕግዘኒ ዝኽእል?

ኩሎም ኣባል ስድራ ቤቶም ወይ ቀረቦም ዝጠፍኦም ነበርቲ ስዊዘርላንድ፣ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ምድላይ ናይ Schweizerisches Rotes Kreuz (ናይ ስዊዘርላንድ ቀይሕ መስቀል) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።ኣብኡ ብውልቂ ምኽሪ ይወሃበኩም፣ ኣብ ዝውቱር እዋናት ከኣ ደረጃ ኩነት ድልያ ይሕበረኩም። ምስ ኣገልግሎት ምድላይ ብቑጽሪ ስልኪ 058 400 43 80 ወይ ከኣ ብኢመይል tracing@redcross.ch ምርኻብ ይከኣል።

ብመርበባት ኢንተርነት familylinks.icrc.org ናይ Internationalen Komitees vom Roten Kreuz (ዓለም ለኻዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል) ኣቢልካ እውን ጥፉኣት ምድላይ ይከኣል እዩ። ኣብ እዋን መጠነ ሰፊሕ ኩነት ዕንወት ንዝጠፍኡኹም ሰብኩም ክትደልዩ ትኽእሉ፣ ዝርዝር ኣስማት ናይ ዝተሳእኑ ሰባት ክትርእዩ፣ ሰቦም ናይ ዝደልዩ ኣብ አውሮጳ ናይ ዝርከቡ ሰባት ስእሊ ክትርእዩ ትኽእሉ፣ ወይ ከኣ ኣብ አውሮጳ ሰብ ክትደልዩ እንተ ደኣ ኰንኩም፣ ናትኩም ስእሊ ክተዘርግሑ ትኸእሉ። እቲ መርበብ ኢንተርነት ብቋንቋታት ዓረብ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳን ስፐይንን እዩ ዝቕረብ።

ብቤተ ሰበይ ወይ ብኻልእ ሰብ ንመርዓ ክግደድ ይኽእል‘ዶ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ መዋስብትኻ ብናጻ ምሕራይ መሰል ሕሉው እዩ። ኣባላት ቤተ ሰብን ካልኦት ሰባትን ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ኣንጻር ድሌቶም ንመርዓ ክግድዱ መሰል የብሎምን። ንምኽርን ሓበሬታ ኣብዘን ዝስዕባ ቦታታት ምውካስ ይከኣል።

Fachstelle Zwangsheirat (ቤት ጽሕፈት ሰብ ሞያ ክፍሊ ግዱድ መርዓ)

0800 800 007 (ብነጻ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ሓገዝ መስመር)
info@zwangsheirat.ch
www.zwangsheirat.ch

Opferhilfe Graubünden (ናይ Graubünden ግዳያት መጥቃዕቲ ንዝኾኑ ምኽሪ ዝህብ ማእከል)

081 257 31 50
opferhilfe@soa.gr.ch
www.soa.gr.ch

ትህብዎ ቃል ብጽኑዕ ዕቃበ ይተሓዝ። ንኣገልግሎት ምኽሪ ዋጋ ኣይክፈሎን።