Navigation

Inhaltsbereich

ሓበሬታታት ብዛዕባ ኣገደስቲ ዕለታዊ መነባብሮ ኣበይ ክትረኽቡ ከም ትኽእሉን፣ ንሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድ ዝምልከት ሓበሬታታት ኣበይ ክትረኽቡ ከም ትኽእሉን፣ ኣብ Graubünden ኣየኖት በዓላት ከም ዝኽበሩ ንምፍላጥን - ንዝተጠቕሱን ካልኦት ሕቶታትን መልሲ ኣብ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ትረኽቡ።

ኣገደስቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ዕለታዊ መነባብሮ ኣበይ እረክብ?

ናይ ካንቶን Graubünden ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ናይ ሓበሬታ ጥራዝ

Iኣብ ናይ ካንቶን Graubünden ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ናይ ሓበሬታ ጥራዝ ንኸም ምውህሃብ ሓበሬታ፣ ስራሕ፣ ቤተ ሰብ፣ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ነባርነት፣መድሕናት፣ምንቅስቓሳትን፣ ከባብያዊ ዓለምን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ትረኽቡ። ናይ ሓበሬታ ጥራዝ፣ ብተወሳኺ ዝርዝር ናይ ምኽርን ደገፍን ቀረባት ብ19 ቋንቋታት ይርከቦ።

መድረኽ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት hallo.gr.ch

ንብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ምንባር ዝምልከቱ ብዙሓት ኣገደስቲ ሓበሬታታት፣ ኣብ መርበብ ኢንተርነት hallo.gr.ch. እውን ትረኽቡ ኢኹም። እቲ ሓበሬታታት ብቋንቋታት ኣልባንያ፣ ዓረብ፣ ቦስንያ/ክሮኣስያ/ሰርብያ፣ ዳሪ/ፋርሲ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ፖርቱጋል፣ ሮማንያ፣ ስፐይን፣ ከምኡውን ትግርኛ ይርከብ።

Informationszentrum Integration (ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃ)

ጉጅለና Informationszentrums Integration (ናይ ምውህሃድ ማእከል ሓበሬታ) ናይ መንበሪ ቤት ንምርካብ ብኸመይ ከመልክት ይኽእል? ስለምንታይ መድሕን ጥዕና የድልየኒ?ኣብ ምምቕራሕ ኣወጻጽኣ ገንዘብ መን ክሕግዘኒ ይኽእል? ውላደይ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ከባቢ ዝዓብይ እንተ ኾነ፣ ኣነ ብኸመይ ክሕግዞ ይኽእል? ንዝብሉ ሕቶታታት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣገልግሎት ምኽርን ሓበሬታን ይቕርበልኩም።

ሕቶታትን ጉዳይትን ንዓና ዘይምልከቱ እንተኾኑ ናብ ዝምልከቶም ናይ ሞያን ኣገልግሎት ምኽርን ኣካላት ነመሓላልፈኩም።

ብሰብ ሞያን ክኢላታት ምኽርን ዝወሃብ ደገፍ ተጠቐሙሉ። ብቁጽሪ ተሌፎን 081 257 36 83 ወይ ከኣ ብኢመይል info@integration.gr.ch ኣቢልኩም ክትራኸቡና ትኽእሉ።