Navigation

Inhaltsbereich

ሓደ ሞያ ከምይ ጌርኩም ክትመሃሩ ከም ትኽእሉን፣ ኣየኖት ናይ EBA ወይ EFZ-ሞያታት ከም ዘለዉን፣ ስለምንታይ ድሕሪ ምምሃር ሞያ ተወሳኺ ሞያ ምምሃር ኣድላዪ ከም ዝኾነን መልሲ ንኻልኦት ሕቶታትን ኣብዚ ትረኽቡ።

ሓደ ሞያ ከመይ ጌርካ ምምሃር ይከኣል?

ኣብ ስዊዘርላንድ ድሕሪ ትምህርቲ፣ ክልተ ካብ ሰለስተ መንእሰያት ናይ ሞያ ትምህርቲ ይውድኡ። ምሉኣት ዕድመ እውን ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክካፈሉ ይኽእሉ። ትምህርቲ ከከም ዓይነት ሞያ ኣብ ሰለስታ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመታት ይዛዘም። ድሕሪ ዕዉት ምዝዛም ስልጠና ተመሃርቲ EFZ (ፈደራላዊ ምስክር ብቖዓት) ይወሃቦም። ትሑት ነጥቢታት ንዘለዎም ተመሃርቲ ናይ ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ስልጠና ኣሎ። ብ EBA (ፌደራላዊ ምስክር ሞያ) ከኣ ይዛዘም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ንናይ ሞያ ስልጠና ፍሉይ ዝገብሮ ድምር ናይ ቤት ትምህርትን ልምምድ ስራሕን ምዃኑ እዩ።እዚ ከኣ ክልተኣዊ ስርዓት ትምህርቲ (Duales System.) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ተመሃርቲ ከም ስሩዕ ንኣርባዕተ መዓልታት -ኣብ ገለ ካብኡ ዝውሕድ እዩ- ኣብ ሓደ ተግባራዊ ፍልጠት ዝረኽቡሉ ናይ መምሃሪ ትካል ይሰርሑ። ኣብ ዝተረፋ ናይ ሰሙን መዓልታት ከኣ ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ናይ ሞያ ስነ ፍልጠት ይመሃሩ።

ናይ ምምሃር ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሞያ ልዑል ምስክር ወረቐት ምርካብ ዘብቅዕ ቤት ትምህርቲ (Berufsmaturitätsschule) ምክፋል ይኽእሉ።

መሰረታዊ ትምህርቲ ዘይብሎም ብጹሓት ዕድመ፣ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዝውድኡሎም ዝተፈላለዩ መገድታት ኣለዉ። ወኸሳ ካብ ናይ ስራሕ ኣማኻሪኹም ወይ ከኣ ካብ ናይ ኢንተተርነት ኣፍደገ (Portal) ናይ ኣገልግሎት ምኽሪ ሞያ berufsberatung.ch ውሰዱ።

 

ኣየኖት ናይ EBA-(ፌደራላዊ ምስክር ሞያ) ሞያታት ኣለዉ?

ልዕሊ 60 ናይ EBA-(ፌደራላዊ ምስክር ሞያ) ናይ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስርሓት ሞያታት ኣለዉ። ጥርኑፍ ስእሎም ኣብ ኣፍ ደገ (Portal) ኢንተርነት berufsberatung.ch ትረኽቡ። ድሕሪ ዕዉት ምዝዛም ናይ ሞያ ትምህርቲ፣ ብዝተመሃርኩምዎ ሞያ ስራሕ ክትደልዩን፣ ፍልጠትኩም ከተተግብሩን ትኽእሉ። ጽቡቕ ነጥቢታት እንተ ደኣ ኣልዮሙኹም፣ስልጠናኹም ቀጺልኩም ፌደራላዊ ምስክር ብቖዓት (EFZ) ክትረኽቡውን ትኽእሉ።

ኣየኖት ናይ EFZ-(ፌደራላዊ ምስክር ብቖዓት) ሞያታት ኣለዉ?

ዳርጋ 180 ዝኾኑ ናይ EFZ ሞያታት ናይ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስርሓት ኣለዉ። ጥርኑፍ ስእሎም ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣፍ ደገ (Portal) berufsberatung.ch ክትርእይዎ ትኽእሉ።

ድሕሪ ዕዉት ምዝዛም ናይ ሞያ ትምህርቲ፣ ብዝተመሃርኩሞ ሞያ ስራሕ ክትደልዩን፣ ፍልጠትኩም ከተተግብሩን ትኽእሉ። ዝለዓለ ናይ ሞያ ስልጠና ምግባር እውን ይከኣል እዩ። ናይ ሞያ ናይ ብቕዓት መዛዘሚ (ማትሪክ) እንተ ደኣ ሓሊፍኩም ኣብ ልዑል ትካል ትምህርቲ ክትመሃሩውን ትኽእሉ ኢኹም። መመላእታ ወይ መሰጋገሪ መርመራ (Passerellenprüfung) እንተ ወሲኽኩሙሉ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት፣ ልዑላት ትካላት ትምህርቲ ስዊዘርላንድ፣ከምኡውን ናይ መምህርና ልዑላት ትካላት ትምህርቲ ብኹሉ ዓይነታት ትምህርቲ ኣቲውኩም ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ናይ ሞያ ናይ ብቕዓት ማትሪክ (Berufsmaturität) እንተ ወዳእኩ እንታይ ተኽእሎታት ይህልዉኒ?

ናይ ሞያ ብቕዓት ማትሪክ ኣብ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ትካላት ትምህርቲ ናይ ምእታውን ብብዙሓት ሞያታት ትምህርቲ ንምቕጻልን ብቑዕ መሰረት ይኸውን።

ናይ ሞያ ማትሪክ ዝሓለፉ ተመሳሳሊ ሞያ ኣብ ትካላት ልዑል ትምህርቲ ሞያ (Fachhochschule) ብዘይ መርመራ ኣትዮም ክመሃሩ ይኽእሉ። ኣብ ምፍቃድ ምእታው ኣብ ርእሲ ልሙዳት ቅድመ ኩነታት ተወሳኽቲ ናይ መእተዊ ቅድመ ኩነታት ከም ንኣብነት ልምምድ ስራሕ ወይ ናይ ብቕዓት መርመራታት (Eignungstests) ክጥለቡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ መሰጋገሪ መመላእታ መርመራ (Passerellen-Ergänzungsprüfung) እንታይ ማለት‘ዩ

ኣብ ርእሲ ናይ ፌደራላዊ ናይ ሞያ ማትሪክ (Berufsmaturitätszeugnis)፣ናይ መሰጋገሪ መመላእታ መርመራ ዝሓለፈ ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ዩኒቬርሲቲታት፣ ትካል ልዑል ቤት ትምህርቲ (Hochschule) ወይ ናይ መምህርና ልዑል ትካል ቤት ትምህርቲ (Pädagogischen Hochschule) ክምዝገብ ይኽእል።

ድሕሪ ተወሳኺ ስልጠና እንታይ ኣሎ? ወጻኢታቱኸ ብመን ይሽፈን?

ስልጠና ንምቕጻል ብዙሓት ተኽእሎታት ኣለዉ። ብኮርሳት፣ ሰሚናራት ወይ ከኣ ብሓጺር ወይ ነዊሕ ስልጠና ይወሃብ። ገለ ካብኡ ናብ ብመንግስቲ ተፈላጥነት ዘለዎም ሞያታት ወይ ከኣ ናይ ሞያ መጸዊዒታት የምርሕ። ብዙሓት ምቕጻል ስልጠናታት ባዕልኹም ትኸፍሉሎም እዮም። ወይ ከኣ ገለ ክፋሎም ብወሃብ ስራሕ ዝሽፈኑ እዮም። ንብዙሓት ትምህርቲ ስልጠናታት ፌደላዊ ደገፍውን ይግበረሎም እዩ።