Navigation

Inhaltsbereich

ኣብዚ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣገደስቲ ሓበሬታታት ትረኽቡ።

ንኽዕወት ናተይ ኣበርቶ እንታይ እዩ?

ናይ ቋንቋ ክእለታት

ብቀጻልነት ናይ ቋንቋ ጀርመን ክእለትካ የዕቢ! ንኣብነት፡ ኣዘውቲርካ ዝተምሃርካዮ ደጋግሞ፣ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጽሓፉ ጋዜጣታት ኣንብብን ናይ ቋንቋ ጀርመን ተሌቪዝን ተመልከትን፣ ምስቶም ተዛረብቲ መበቆላዊ ቛንቋ ርክብ ግበር ወዘተ፡፡ ሓባራዊ ምርድዳኣት ብኹሉ መዳያት ኣገዳሲ እዩ፡ ከምኡውን ሓደስቲ ዕድላት ይኽፍት፡፡

ስዓትካ ምኽባር

ናይ ቆጸራ ስዓት ኣኽብር፡፡ ኣብ መንጎ ቆጸራኻ ዘጓነፈካ ነገር እንድሕር ሃልዩ ወይ ኣብ ግዜ ቆጸራ ክትበጽሕ ዘይትኽእል እንተዄንካ ኣቐዲምካ ነቶም ሰባት ሓብሮም፡፡

ተኣማንነት

ኣብ ስምምዓት እሙን ኹን፡፡ ኣብ ጉጅለ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነንሕድሕዱ ክተኣማመን ክኽእል ኣለዎ፡፡

ብርቱዕ ተገዳስነት

ነቲ እትሰርሐሉ ኩባንያ እንታይ ክትገብር ከምእትደልይን እቲ ኽትገብሮ እትደልዮ ነገር እንታይ ምዃኑን ኣርኢ፡፡ ተበጋስነት ዘለዎም፡ ድሌት ዘለዎምን ብርቱዕ ተገዳስነት ዘለዎምን ሰባት፡ ብዝቐልጠፈ ንዕኦም ባህ ዜብል ስራሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣለዎም፡፡

ሓላፍነት ዝስምዖ ምዃን

ስራሕካ ብዘለካ ዝበለጸ ፍልጠትን ክእለትን ስርሓዮ፡፡ ጌጋታት ከጋጥም ከሎ ንጌጋኻ ተቐበልን ባዕልኻ ኣዐርዮን፡፡ ብዘይ ስራሕ ዘዘው ምባል፡ ዘይጽቡቕ ኣመለኻኽታ ይህብ፡፡

ርእስኻ ምኽኣል

ብዝተኽኣለ መጠን ርእስኻ ክኢልካ ከምእትሰርሕ ሕሰብን ርእስኻ ክኢልካ ስራሕን፡፡ እቲ ኩባንያኻ ኣባኻ ክተኣማመን ከምዝኽእል ኣርእዮ፡፡

ናይ ምምሃር ድሌት

ንነፍሲ ወከፍ ዕድል፡ ገለ ነገር ክትመሃረሉ ፈትን፡፡

ከም ጋንታ ኮይንካ ስራሕ

ኻልኦት ሓግዝ፡ ንሳቶም’ውን ክሕግዙኻ እዮም፡፡

ትሑት ምዃንን ክርኣዩ ዝግባእ ጠባያትን

ንዓማዊል፡ መሳርሕትን ኣስራሕትን ትሕትና ኣርኢ፡፡ ትሑት ዓይነት መግለጺ ናይቲ ቋንቋ ተጠቐም፥ ንኣብነት እቲ ሓደ ሰብ እንድሕር ‘Du’ ዝብል እንተዘይተጠቂሙ፡ ‘Sie’ ተጠቐም።

ትካላዊ ክእለታት

እቲ እትሰርሐሉ ቦታ ጽሩይን ጽፉፍን ጌርካ ግደፎ፡፡

ቀጻልነት

ስራሕካ ዋላ ንግዚኡ እንተኣጽለአካ ሱቕ ኢልካ ቀጽሎ፡፡ ብቐጻልነት ብምስራሕ፡ ብዙሓት ሸቶታት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይከኣል እዩ።

ብኩራት

ምቡካር ዝፍቀድ ከቢድ ዝኾነ ህጹጽ ኩነታት ክፍጠር ኸሎ ጥራሕ እዩ፡፡. ንዘብኮርካሉ ምኽንያት ንኣስራሒኻ ብቕልጡፍ ሓብርን መርትዖ ኣቕርብን፡፡

ደጋዊ ኣቀራርባ

ኹሉ ግዜ ናብ ስራሕ ብግቡእ ተኸዲንካን ማዕሪግካን ምጻእ፡፡ ናይ ውልቂ ንጽህናኻ ከተስተውዕለሉ ይግባእ፡፡

ዘይርጉጽነት

ዘይተረድኣካ ሓደ ነገር ምስዝህሉ ብኽብረትካ ሕተት፡፡ ሕቶ ምሕታት፡ ክትፈልጥ ድሌት ከምዘለካ ዘርእይ እዩ፡ ከምኡውን ከጋጥም ዝኽእል ዓቢ ጸገም የድሕን፡፡

ክንደይ ደሞዝ እረክብ?

ናይ ስዊዝ ሕጊ እቲ ዝተሓተ ክፍሊት መጠን ኣየቕምጥን እዩ። ሓደ ሓደ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ ስምምዕ ወይድማ ስሩዕ ናይ ስራሕ ውዕሊ ንሕድሕድ ናይ በዓልሞያ ዓይነት ክገብር ዘለዎ ዝተሓተ ክፍሊት ዘጠቓለለ እዩ።

ሰራሕተኛ ኣብ ዝቁጸረሉ እዋን ምስ ስራሕ ተቆጻሪ ኣብ መጠን ደመወዝ ይስማምዕ። ናይ ስራሕም ጥፋኣት ዘይኮነ ከም ሕማም፣ ሓደጋ፣ ግልጋሎት፣ ውትድርናን ዝኣመሳሰሉ ምክንያታት ስርሕም ከሳልጡ ዘይክእሉ እንተኮይኖም እቲ ሕጊ መስርሒ ንተወሰነ እዋናት ደመወዝ ምክፋል ክቅጽል ከምዘለዎ ቁጻር ውዕሊ ምንዋሕ ዝውሰን እንትኮን ናይ ቁጽር ውዕሊ ካብ 3 ወርሒ ዝነኣሰ እንተኮይኑ ግን ክፍሊት ናይ ምቅጻል ግዴታ (ኣግባብ) የብሉን።

ናይ ምሳሕ ወጻኢታት መን ይኸፍሎ ፡ እንተደኣ ሰራሕተኛ ኮይነ ፧

እኹል ደሞዝ ትረኽቡ እንተ ደኣ ኰንኩም፣ ንምሳሕኩም ባዕልኹም ኢኹም ትኸፍሉ።ካብ ናይ ዞባ ማሕበረ ሰባዊ ኣገልግሎት፣ ወይ ካብ ቤት ጽሕፈት ፍልሰትን ሲቪላዊ ፍትሕን ( ክፍሊ ምዕቋብን ምእላይን ወይ ከኣ ክፍሊ ናይ ውልቂ መጽለሊ) ደገፍ ትረኽቡ እንተ ደኣ ኰንኩም ግና ብኽብረትኩም ምስ ጉዳይኩም ዘመስርሕ በዓል መዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ትረኽብሉ ምልክታ ንምቕራብ ተዘራረቡ።

ንእሽቶ ማኪና ንምዝዋር ክምሃርን፣ ናይ ምዝዋር መርመራ (Kategorie B) ክገብርን እደልይ። ናይ ገንዛብ ሓገዝ እረክብ‘ዶ?

ኣብ ምውጻእ ፍቓድ መዘወሪ ማኪና Kategorie B ዝግበር ናይ ወጻኢታት ተኻፋልነት ምስ ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ዝተኣሳሰረ ንናብ ስራሕ ምውህሃድ ዝዓለመ ፍሉይ ናይ ምውህሃድ ቀረብ እዩ። መሰረታዊ ቅድመ ኩነቱ ኣብ ስራሕ ጠቓሚ ኣበርክቶኡ ንጹር ምዃን እዩ። ብዛዕባ ጉዳይኩም ምስ ናይ ስራሕ ኣማኻሪኹም ተመያያጡ።

ናይ ወጻኢ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቓቕቲ (ዲፕሎማት )ብኸመይ ተፈላጥነት ይረኽቡ?

ንሓደ ሓደ ክእለት ሞያ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዲግሪ/ዲፕሎማ ክረኣዩ ዘይብሎም ክኮኑ ይክእሉ እዮም። ዘለዎም ናይ ጥዕና ኩነታት ኣብ ውሽጢ ስዊዘርላንድ ቁጽጽር (መስማሚዒ) ዘይግበረሉ እንተድኣ ኮይኑ ካብ ዝመጽሉ ዓዲ ዝሓዝዋ ዲግሪን ካልኦት ተቀባልነት ዘርእዩ መረዲኢታት ከይተሓተቱ ስርሖም ከካይዱ ይክእሉ እዮም። ብሞያኦምም ናይ ምስራሕ ዋኒን ብቁጸር ዕዳጋን ናይ ቀፃሊ ቆፃሪኩም ብዝሓቶ መንገዲ ክማላእ ዘለዎ ኩነታት ዝውሰን ይከውን። ኣብ ስዊዘርላንድ መብዛሕትኦም ሞያታት ቁጽጽር ኣይግበረሎምን እዩ።

ሞያኩም ኣብ ስዊዘርላንድ ቁጽጽር ዝግበረሉ እንተኮይኑ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዲግሪ ወይድማ ናይ ሞያ ብቅዓት መረጋገፂታት ብስዊዘርላንድ በዓል ስልጣን ወይድማ ተቋማት ኣፍልጦ ክረክብ ይክእል እዩ። ቁጽጽር ዝግበረሎም ናይ ሞያ ዓይነታት ዝበሃሉ ዲግሪ፣ ዲፕሎማ ወይድማ ተቀባልነት (ብቅዓት) ዘርእዩ መረጋገፂታት ዝወሰኑ ሞያታት እንተኮይኑ እዚኦም ብሕጊ ቁጽጽር ይግበረሎም። ናይ ወጻኢ ዓዲ ዲግሪን ዲፕሎማታት ዝወሃብ ኣፍልጦ

ብስዊዘርላንድ ናይ ወፃኢ ሃገራት ዲግሪታትን ናይ ሞያ ብቅዓት መረጋገፂ ኣፍልጦ ዝህብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይርከቡ። ናይ Staatssekretariat für Bildung, Forschung und Innovation SBFI መርበብ ሓበሬታ ምስቲ ዋኒን (ጉዳይ) ተተሓሓዚነት ዘለዎም በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈትን ተቋማትን ዝርዝር ብጥቅልሉ መልክዓ ኣካቲቱ ይርከብ።

ንኣፍልጦ ኣወሃህባ ዝግበር ዓለም ለኸ ስምምዕ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምርኣይ እንተደኣተደልዩ ናይ ወፃኢ ሃገራት ዲግሪን ኣፍልጦ ኣዋሃህባ ተወሳኪ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መርበብ ሓበሬታ ሬክተርስ ኮንፈረንስ ዩኒቨርስቲታት ስዊዝ swissuniversities.ch, ተወከስ።

ናይ ወፃኢ ዓዲ ላዕላዋይ 2ይ ብርኪ ናይ ትምህርቲ መረዲእታት ብፌደራል ብርኪ ኣፍልጦ ኣይወሃብን እዩ። ንዲግሪ ትምህርቲ ክምዝገቡ እንተድኣ ደልዮም በጀኩም ምስ ዩኒቨርስቲታት ብቀጥታ ይራኸቡ።

ትሕዝቶ ናይ ስራሕ ውዕል እንታይ እዩ?

ናይ ስራሕ ቁጽር ውዕሊ ናይ መስሪሔን ሰራሕተኛ መሰልን ጉቡኣት (ግዴታታት) ዘካተተ እዩ። ስራሕ ተቆጻሪ ነቲ ዝተስማሞዖ ስራሕ ቆጻሪ ድማ ደመወዝ ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ክፍሊት ምክፋልን ናይ ዕረፍቲ ፈቃድ መሃብ ግዴታ (ግቡእ) ይህልዎ። ናይ ስራሕ ቀጻር ውዕሊ እንተድኣ ዝከፍልኦም ኣካላት (ናይ ቆጻሪን ተቆጻሪን ሽም እቲ ውዕሊ ተግባራዊ ዝኮነሉ መዓልቲ ስራሕተኛ ክሰርሕ ዘለዎ ስራሕን ዝክፈሎ ደመወዝ ዘካተተ ክከውን ይግባእ።

መብዛሕትኡ እዋናት ካልኦት ሕጊታትን ደንቢ ብዝበለጸ ድማ ናይ ስዊዝ ግዴታ ሕጊ (Code of Obligations)ን ጠቅላላ ናይ ስራሕ ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ውዕሊ ዝተሳተፉ ኣካላት ዘይተዘርዘሩ ዋኒናት ናይ ምምሕድራር (ይቆጻጸር)

ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ስራሕ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ናይ ስራሕ ቁጽር ሕጊ መሰልን ግዴታታት ስራሕ ቆጻሪን ተቆጻሪን ይቆጻጸር (የመሓድር):-

  • ናይ ስውዝ ናይ ፌደራል ሕጊ ስራሕ ቁጽር (The Swiss Federal Statute on Employment (Arbeitsgesetz) (ኣጠቃላሊ ኣብ ስራሕ ቦታ ናይ ጥዕናን ድሕነት ኣብ ስራሕ ሰዓታት፣ ዕረፍቲ ሰዓታት ናይ መናእሰይን ነፋስ ድርን ኣብ ምጥባው ጡብ ዝርከብ ኣዴታት)
  • ናይ ስዊዝ ሕጊ ግቡዓት (Obligationenrecht) (ናይ ውልቀ ሰባት ውዕሊ ስራሕ ቁጽር ሓፈሻዊ ውዕሊ ስምምዕ መደበኛ ናይ ስራሕ ቀጽር ውዕሊ)
  • ናይ ስዊዝ ሓደጋ ውሕስና መምርሒ (Unfallversicherungsgesetz) (ኣብ ስራሕ ከይዲ ጥዕናን ድሕንነትን)

    እዚ ዝተቀመጠ ናይ ስራሕ ቁጽር ንኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝስርሑ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዜጋታት ኮነ ካብ ስዊዘርላንድ ናይ ስራሕ መሳርሕቲ ተግባራዊ ይግበር

ካብ ወሃብ ስራሕ ወጽዓ ወሪዱኒ ኣብ ዝብለሉ እዋን ናበይ ከመልክት ይኽእል?

ኣብ ስራሕኩም ስለምንታይ ዕግበት ከም ዘይትረኽቡ ሕሰቡ።ብዝበለጸ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት ነጥቢታት መዝግቡ። ብዛዕብኡ ምስ ኣማኸሪኹም (Jobcoach) ተዘራረቡ። ኣማኻሪኹም ምኽርን ደገፍን ንኽህበኩም ቅሩብ እዩ።

ሽቕለት ኣልቦ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት፡ ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ወጻኢታቶም ዝሽፍን ንኽወሃቡ መሰል ኣለዎም ግና እቲ ዘድሊ ነገር ምስዘማልኡ እዩ፡፡ ነዚ ዘድሊ ነገር ድማ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ቅድሚ ስራሕ ምቊራጽ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመት ዝሰርሓሉ 12 ኣዋርሕ ዝሕብር፡፡

ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዘይምህላው ዝምልከት ሕቶ እንተለካ በጃኻ ናብ መድሕን ስራሕ ዘይምህላው ፈንድን ናብ ዞባዊ ናይ<ስራሕ ምምዳብ ማእከል (Regionale Arbeitsvermittlungszentren - RAV) ተወከስ፡፡

ስራሕካ ኣብ ሓደጋ እንድሕር ሃልዩን ስራሕ እንተዘይብልካን፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክትገብር ይግባእ፡

ስራሕ ምድላይ እንተ ዘይጀሚርካ ብቕልጡፍ ምድላይ ጀምር። ንስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ጥቕሚ ንምርካብ ጻዕርታት ትገብር ከምዘለኻ ዝሕብር መረጋገጺታት ኣማልእ፡ ቅዳሓት ዘመልከትካዮም ደብዳቤታትን ተቐባልነት ዘይረኸብካሎም ደብዳቤታት ከዕቀቡ ይግባእ፡፡

በጃኻ ቀልጢፍካ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ስራሕ ማእከል ጸብጻብ ግበር፡፡

ብጸሊም ምስራሕ (Schwarzarbeit) እንታይ ማለት እዩ ?

ዋላኳውን ብግዝያውነት ኣብ ከም ዕዮ ምጽርራይን ምሕላው ቆልዓን፣ ናይ ቤትን ኣትክልትን ዕዮ ሰሪሑ እትዋት ዝረክብ ሰብ፣ ከም ቁጹር ሰራሕተኛ እዩ ዝሕሰብ። ስለዚውን ናይ ወጻእተኛ ናይ ፖሊስ ፍቓድ ዝሓዘን (fremdenpolizeilichen Bewilligung) ኣብ ናይ ማሕበረ ሰባዊ መድሕን (Sozialversicherungen) ምዝጉብ ወይ ባዕሉ ዝተመዝገበ ክኸውን ይግባእ። እንተ ዘይኮነ እቲ ስርሑ ዘይሕጋዊ ወይ ጸሊም እዩ ዝኸውን። እቲ ሰብ ሽቕለት ኣልቦ እንተ ኾነ፣ ወይ ሓደጋ፣ ወይ ኣካለ ጉድለት እንተ ኣጋጠሞ ከኣ ውሕስነት የብሉን።