Navigation

Inhaltsbereich

ኣብ ግራውብዩንደን ግዴታዊ ትምህርቲ ክንደይ ግዜ ከምዝውድእን፣ ብዛዕባ ናይ ስዊዘርላንድ ስርዓት ትምህርቲ ሓበሬታ ኣበይ ከም ትረኽቡን ኣብዚ ትሕበሩ።

ኣሰራርዓ ትምህርቲ ኣብ ግራውብዩንደን ከመይ እዩ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ስርዓት ቤት ትምህርቲ ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ካንቶን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ Graubünden ካንቶን ዝዕድመኦም ካብ 7 ክሳብ 16 ዓመት ንዝርከቡ ቆልዑት (ቤት ትምህርቲ መባዕታን ኻልኣይ ደረጃን) ናይ ግድን ትምህርቲ ክመሃሩ ኣለዎም፤ እዚ መደብ ትምህርቲ ድማ 9 ዓመት ይወስድ እዩ።

መብዛሕቲኦም ቆልዑት ናብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምእታዎም ኣብ መዋዕለ ሕጻናት ወይ ኣብ ነርሰሪ ንክልተ ዓመት ይመሃሩ። ድሕሪ መዋዕለ ሕጻናት ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ትምህርቲ (ን6 ዓመት) ካብኡ ድማ ኣብ ኻልኣይ ደረጃ (ንሰለስተ ዓመት) ይመሃሩ። ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቤት ትምህርቲ ኻልኣይ ብርኪ ኣለው። ኣብ Graubünden ናይ Realschule (ሓፈሻዊ ደረጃ ኽእለት)፣ Sekundarschule (ዝበለጸ ጠለብ ዘለዎ) ከምኡውን Untergymnasium ወይድማ Gymnasium ዝበሃሉ ብደረጃ ሰዋሰው ትምህርቲ ዝህባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

መንግስቲ ዝሕግዞም ናይ ትምህርቲ ኣወሃህባ Volksschule ወይድማ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ብምባል ናይ ትምህርቲ ኣወሃህባ ብነፃ እዩ። ወለዲ ደቆም ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምራፅ መሰሎም ዝተሓለወ እዩ። ናይ ግሊ ቤት ትህምርቲ ክፍሊት ዝሓቱ እዮም። ኣብ Graubünden ግዝኣት ትምህርቲ ናይ ምሃብ ኣግባብን ሓላፊነት ናይ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብፓርት መምርሒ እዩ። ቤት ትምህርቲ ብከመይ ከምዝንቀሳቀሱ ናይ ምድርጃው ስራሕቲ ናይ ወረዳ ሓላፊነት እዩ።

ምስ ቤት ትምህርቲን ምስ ትምህርቲን ርክብ ዘለዎም ሓበሬታታት ካብ ቤት ትምህርቲ እትነብራሉ ማሕበረሰብ ወይ ካብ Amt für Volksschule und Sport (ዲፓርትመንት ትምህርቲ ቐዳማይ ብርኪን ስፖርትን) ክትረክቡ ትኽእሉ።

ጥርኑፍ ስእሊ ስርዓት ትርምህርቲ ስዊዘርላንድ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ኣብ መርበብ ኢንተርነት berufsberatung.ch ጥርኑፍ ስእሊ ናይ ኣገደስቲ መዛዘሚታት ትምህርትን ስርዓት ትምህርትን ኣብ ስዊዘርላንድ ትረኽቡ።

ተወሳኺ ሓፈሳዊ ሓበሬታታት ቤት ትምህርታውን ሞያውን ስልጠና ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣበይ ክረክብ እኽእል?

መርበብ ኢንተርነት berufsberatung.ch ንዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሕቶታት ትምህርትን ሞያን ዝምልከቱ ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት ብ 13 ቋንቋታት ቀሪባ ኣላ።