Navigation

Inhaltsbereich

Team Fachstelle Integration
 

ንቋንቋውን፣ ሞያውን፣ ማሕበረ ሰባውን ምውህሃድ ዑቕባትን ግዝያዊ ተቐባልነት ዝተዋህቦም ሰባትን ምድጋፍ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሓላፍነታት ክፍሊ ምውህሃድ እዩ።

ንዝተመዛበሉ ሰባት፣በብውልቂ፣ ትሕዝቶኣዊ ናይ ሓገዝ ስጉምቲታት እናፈጸምና ነሰንዮም። እዚ ኸኣ ዕድላትን ተኽእሎታትን ይኽፈተሎም። ኣብ መስርሕ ምውህሃዶም ባዕላቶም፣ ናብ ክበጽሕዎ ዝደልይዎ ሽቶ እድሂቦም ክስጉሙን፣ ኣብ ሕብረተ ሰብና ግቡእ ቦትኦም ክረኽቡን ይግባእ።

ኣብ ምሉእ ካንቶን ንመተዓይይትና (ወሃብቲ ስራሕ፣ ውፉያት፣ መካየድቲ ፕሮጀክትታት) ርጉጽን ምስ ኩነታት እናተቐያየረ ዝመዓራረይን ናይ ምኽርን ደገፍን ኣገልግሎት ንህብ። ኣብ ብዙሕነታዊት ግራውብዩንደን፣ብንጡፍ ተሳታፍነትኩም፣ኣገዳሲ ኣስተውጽኦ ንጽቡቕ ናይ ሓባር ናብራ ትገብሩ።

ምውህሃድ ናይ ዑቕባትን ግዝያዊ ተቐባልነት ዝተዋህቦም ሰባትን ሓላፍነታዊ ዕዮ ናይ ምሉእ ሕብረተሰብን፣ንጥቕሚ ምሉእ ሕብረተ ሰብን እዩ። ተሓጋጊዝና ኸኣ ነተግብሮ።