Navigation

Inhaltsbereich

Multi-Bild-Anzeige

Junger Mann
Junge Frau steht im Park
Mann lehnt an Wand

ክፍሊ ምውህሃድ፣ ኩሎም ነበርቲ ግራብዩንደን ሕቶታት ምውህሃድን ፍልሰትን ኣቕሪቦም ጉዳያቶም ዝሳለጠሉ ቤት ጽሕፈት እዩ። ናይ ስደተኛ ዑቕባ ተፈላጥነት ዝረኸብኩም፣ ወይ ግዝያዊ ተቐባልነት ዘለኩምዶ ኢኹም? መልስኹም እወ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ኣብ ጉዳያት ቋንቋን፣ ማሕበረ ሰብን፣ ሞያዊ ምውህሃድን ደገፍ ንገብረልኩም።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ሓድሽ ህይወት ምህናጽን፣ ኣብ ሕብረተሰብ ተኻፋሊ ምዃንን ግዜ ዝወስድን ነዊሕ መስርሕን እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ኣባላት ቤት ጽሕፈትና የሰንይኹም። ገለ ክብቲ ንህበኩም ኣገልግሎታት ብዛዕባ መነባብሮን ስራሕን ኣብ ግራውብዩንደን (Graubünden) ኣንፈትኩም ንምርካብ ዝሕግዙኹም ሓበሬታታት ምሃብ እዩ። ብኽብረትኩም ናይ ካንቶንና ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ጥራዝ ሓበሬታ ኣንብቡ። ኣብ ገጽ መርበብ ኢንተርነትና hallo.gr.ch ከኣ መጻእተኛታ ንዘልዓልዎም ሕቶታት ዝተዋህቡ መልሲታት ዳህስስዎም። ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ካንቶንና ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ጥራዝ፣ ኣብ መርበብ ከኣ hallo.gr.ch ኣብ ዓምዲ (Rubrik) "Alltag". ትረኽቡ።

ኣብዚ መድረኽዚ ብፍላይ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ትረኽቡ።

ዕዉት መስርሕ ምውህሃድ ንትምነየልኩም። ሕቶታትኩም ንምምላስን፣ ድሌታትኩም ንምምላእን ኩሉ ሳዕ ኣብ ጎንኹም ኣለና።

ናይ ክፍሊ ምውህሃድኩም ጉጅለ