Navigation

Inhaltsbereich

ብገንዘብ ርእስኹም ክትክእሉን፣ መነባብሮኹም ባዕልኹም ክትውስኑንዶ ትደልዩ? ናይዚ መሰረት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዕውት ምውህሃድ ምግባር እዩ። እቲ ዝጸበቐ ናብ ዝተደልየ ስራሕ ዘብጽሕ መገዲ ካብ ስደተኛ ናብ ስደተኛ ይፈላለይ እዩ። ምናልባሽ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ዛጊት ናይ ሞያ ስልጠና ወዲእኩም፣ ኣብዚ ብሞያኹም ስራሕ ክትረኽቡ ትደልዩ ትኾኑ። ምናልባሽውን ቅድሚ ሕጂ ትምህርቲ ይኹን ስራሕ ንምጅማር ዕድል ስለ ዘይረኸብኩምሞ ነዚ ዕድል እዚ ኣብዚ ረኺብኩም ክትጥቀምሉ ትደልዩ ትኾኑ።

ኣብ መስርሕ ምውህሃድኩም ኣባላት ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምውህሃድ (Fachstelle Integration) ብብሕቲ ከሰንይኹምን ክድግፉኹምን እዮም። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም በብስጉምቲ ናብ ዕላማኹም እናቐረብኩም ግቡእ ቦታኹም ምእንቲ ክትሕዙ ዕድላትን ተኽእሎታትን ኣብ ምፍጣር ከኣ ክንጽዕረልኩም ኢና።