Navigation

Inhaltsbereich

ተልእካዊ ዕዮ ናይ ኣማኻር-ስራሕ (Jobcoach) ጥቕሚ ናይ ስራሕ ልምምድን፣ መሰረታዊ ስልጠናን (Lehre) ንምግባር እንታይ ከም ዘድልይ ምሕባር እዩ።እዝን ካልእ ብዙሕን ኣብዚ ትረኽቡ።

ናይ ቋንቋን ሞያን ፕሮግራም ደገፍ ምውህሃድ ከመይ ኢሉ ይምስራሕ?

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ምውህሃድ (Fachstelle Integration) ንጉዳይ ፍሉጥነት ዘለዎ ዑቕባ ዝረኸቡን፣ ግዝያዊ ተቐባልነትን ዝተዋህቦምን ስደተኛታት ካብ ሓድሕዱ ብዝፈላለየሉን ምስ ሓድሕዱ ብዝሰማምዓሉን ኣገባባት ናይ ደገፍ ፕሮግራም የካይድን ብቐጻሊ ጉዳያት የመስርሕን።

ናይ ደገፍ ፕሮግራም እዚ ዝስዕብ ነጥቢታት ዝሓዘ እዩ፡

  • ንመደብ ናይ ፈለማ ዝርርብ ምዕዳም
  • ናይ ቋንቋ ፈተናታት ብምክያድ ንተኻፈልቲ ብደረጃታት ምስራዕ
  • ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እናተመዝነ፣ ናብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ወይ ቀረብ ሞያዊ ስልጠና ምምራሕ። እንተ ወሓደ ናይ ቃል A2 ንኹሎም፣ እንተዘይኮነ ኸኣ ወይ A2/B1 ወይ ከኣ B1/B2 ንልምዲ ምምሃር ወይ ምስልጣን ዘለዎም።
  • ናብ ሞያዊ ናይ ምውህሃድ ደገፍ መስርሕ ምስግጋር
  • ናይ ሓበሬታ ኣኼባ "ናይ ሞያ ምውህሃድ"
  • ብናይ ስራሕ መማኸርቲ ብውልቂ ዝወሃብ ደገፍን መሰነይታን
  • ናይ A1/A2 ደረጃ ፍልጠት ቋንቋ ዘለዎም ተኻፈልት ናብ ሰለስተ ሰሙናዊ
    መደብ መረዳእታ ናይ ዝጥለብ ብቕዓት ስራሕን፣ ቀረብ ምድላዋትን (PAF) ይምርሑ። ኣብ ውጽኢት መረዳእታ ናይ ዝጥለብ ብቕዓት ስራሕን ቀረብ ምድላዋትን ብምምርኳስ ናይ ኣማኻሪ ስራሕ ርእይቶ ተሓዊስዎ ዝውሰዱ ቀጸልቲ ስጉምቲታት ይውሰኑ ( ናይ መፈተኒ ስርሓት፣ ናይ ስራሕ ልምምድ፣ ናይ ክፋል ማእቶት ስራሕን ካልእን)
  • ናይ ቋንቋ ብቕዓት B1 ዘማልኡ ቅድመ ኩነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው በብውልቂ ደገፍ ይግበረሎም። (ምምሕያሽን፣ ስልጠናን፣ ተወሳኺ ስልጠናን ካልእን ( Aus- und Weiterbildung etc.)

ክፍሊ ምውህሃድ ንመንሰያትን (ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም) ንኣሽቱ በጽሒታትን

  • ናይ ቋንቋን ናይ ቤት ትምህርትን ሓገዛት ምሃብን። ብምቕራብ ስልጠናታት ወይ ኮርሳት ቋንቋን (B1/B2) ተወሳኺ ደገፋት ዓይነት ትምህርቲ ቁጽርን፣
  • ንጡፍ ሓበሬታን ሓገዝን ኣብ ምስ ናይ ምቕጻል ፍትሓት ምርካብ ዘኽእሉ ናይ ካንቶን ናይ መሰጋገሪ ቀረባት
  • ኣብ እዋን ምስታፍ ናይ ምስግጋር ቀረባት፣ ምስናይን ኣገልግሎት ምኽሪ ምሃብን
  • ናይ ስልጠና ቦታ ኣብ ምርካብ ምድጋፍን። ንብድሕሪ ምክፋል ናይ ምስግጋር ቀረባት ናይ ስልጠና ቦታ ንዘይረኸቡ ምሕጋዝን
  • መሰነይታን ምኽርን ኣብ እዋን ስልጠና ሞያ
  • ከም ዘድልይ ኣብ እዋን ሞያዊ ስልጠና ቀረብ ደገፍ ምምዳብ (ብናጻ ድሌቶም ዝሕግዙ መማህራን)

ናይ ስራሕ ኣማኻሪ እንታይ ማለት እዩ?

ግደ ናይቲ ስልጠና ስራሕ

  • ንሞያዊ ውህደት ዚምልከት መባእታዊ ስጉምታት ምውዳብ፡ ምውህሃድ፡ ደገፍ ምሃብን ምክትታልን።
  • ኣስራሕቲ ነቶም ግዚያውያን ተቐማጦን ስደተኛታትን ዝኸውን ሞያዊ ውህደት ንኽትግብሩ ምልዕዓል፡፡ እዚ ኸኣ ንጡፍ ዝኾነ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኣስራሕቲን ግዚያውያን ተቐማጦን ስደተኛታትን ይጠልብን የሐይልን፡፡
  • ብዛዕባ እቲ ሞያዊ ውህደት ኣመልኪቱ ብኹሎም ሸነኻት ነቶም ግዚያውያን ተቐማጦን ስደተኛታትን ምኽሪን ሓገዝን ምሃብ፡፡

ሸቶታት

  • ቀጻልነት ዘለዎ ማሕበራውን ሞያውን ውህደትን፡ ነቶም ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ስደተኛታትን ግዚያውያን ተቐማጦን፡፡
  • እቶም ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ጥሉቕ ዝኾነ ኣስተብህሎ ይረኽቡ፡ ናይ ስራሕ ድሌታቶም ይግምግሙ ከምኡውን ኣማራጺታት ይደልዩን ስርሖም ዝጅምሩሉ መደብ የውጽኡ ወይ የተግብሩ፡፡

እቲ ናይ ስራሕ ኣሰልጣኒ

  • ንጹር ዝኾኑ ሸቶታት ምስኦም ብምዃን የውጽእን ይግምግምን
  • ምስኦም ብምዃን መርመራ የካይድን ይግምግምን
  • ብውልቂ ዝወሃቡ ሓገዛት የቕርብ
  • የዕብዮምን የተባብዖምን
  • አገደስቲ ናይ ውሽጢ ዓቕሚን ድሌትን የበረታትዕ

እቲ ደላዪ ስራሕ

  • ንጹራት ዝኾኑ ናይ ስራሕ ሸቶታት ይህልዎ ከምኡውን ንዕኦም ንኸተግብር እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ይፈልጥ፡፡
  • ኣብቲ መስርሕ ውህደት ከተግብሮም ዝኽእል ግደታት ብቐጻልነት ይርኢ
  • ዝኽእሎ ዘበለ ይገብርን ከምኡውን እቲ ዝበለጸ ስራሕ ይሰርሕን

መረዳእታ ናይ ዝጥለብ ብቕዓት ስራሕን ቀረብ ምድላዋትን እንታይ ማለት እዩ?

ሸቶ

  • ብዛዕባ ኣብ ‘ስዊዘርላንድ ምስራሕ’ ዚምልከት መሰረታዊ ፍልጠት ምርካብ
  • ንናይ ውልቂ ሞያዊ ውህደት ብዚምልከት ንዘለካ ዕድላት ምፍላጥ
  • ዘለካ ክእለት ተሞኩሮኻ ከምኡውን ናይ ስራሕ መመልከቲ ሰነዳትካ ምድላው
  • ካብ ፍሉይ ጉጅለ ውህደት ምስ ዝመጸ ኣስልጣኒ ስራሕ ብሓባር ብምዃን ንዝትገበር ናይ መጻኢ ስጉምታት ምግላጽን ውጥን ምውጻእን

ናይቲ ስልጠና ንውሓት ግዜ

  • 1ይ ሰሙን፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲታት
  • 2ይ ከምኡውን 3ይ ሰሙን፡ ተግባራዊ ስራሕ > ንኣብነት ኣብ ምኽሻን፡ ኣገልግሎት ምሃብ ወይ ናይ ጽሬት ስራሕ ወይ ኣብ ኣብያተ-ዕዮ ኢንዱስትሪ፡ ናይ ሓጺን ስራሕ ወይ ናይ ዕንጨይቲ ስራሕ

ፍሉያት ውጽኢታት ከምኡውን ዕድላት

  • ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስራሓትን ሞያታትን ዚምልከት ኣፍልጦ ምርካብ
  • ሓያል ጎኒን ድኹም ጎኒን ምግምጋም
  • ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ሞያዊ ክእለት ምፍላጥ
  • ብዛዕባ ናይ ስራሕ መስርሓት ኾነ ናይ ስራሕ ቦታ ምፍላጥ

ናይ ተግባር መደብ

  • እቲ ካብ ፍሉይ ጉጅለ ውህደት ዚመጸ ናይ ስራሕ ኣሰልጣኒ፡ ናይ ክእለትካ ተሞኩሮ፡ ናይ ስራሕ መመልከቲ ሰነዳት ከምኡውን ናይ ተግባር መደብ ካባኻ ይቕበል፡፡
  • ኣብቲ ናይ ስራሕ ኣሰልጣኒ ዝግበር ውልቃዊ ምዝርራብ፡ ግብረ መልሲ ብምጥቃም ከምኡውን ናይ ግምገማ ውጽኢታት ብምጥቃም፡ እቲ ናይ ተግባር መደብ ይዝረበሉ፡፡

ልምምድ ስራሕ

ሸቶ

  • ንሓያሎ ኣዋርሕ ዚጸንሕ ምደባ ስራሕ ኣብ ኩባንያ ሰሪሕካ ምውዳእ፡፡
  • ተግባራዊ ኣጠቓቕማ ልእለታት ስራሕን ቋንቋን፡፡
  • ዓይነትን ብዝሕን ብቕዓት ስራሕ ኣብ ናይ ሓቂ ዕለታዊ ሞያዊ ሂወት ምፍታሽ፡፡
  • ኣብ ዝበለጸ ኩነታት እንድሕር ኣድልዩ፡ እቲ ኣስራሒ ናይ ስልጠና መደብ፡ ናይ ትርፊ-ግዜ ወይ ቀዋሚ ከቕርብ ይኽእል፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክእለታት ልምምድ ስራሕ ከምኡውን ዓቕሚ እንድሕር ተራእዩ እዩ፡፡

ኩነታት ልምምድ ስራሕ

  • ሓፈሻዊ ኩነታት ስምምዕ ዝተገብረሎም እዮም፣ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈሩ እዮም፣ ልምምድ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ብኹሎም ወገናት ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሑ እዮም፡፡ ንውሓት ግዜ ልምምድ ስራሕ፡ ብውልቂ ብዝግበር ስምምዕ ዝትግበር እዩ፡፡

ፍሉያት ውጽኢታትን ዕድላትን

  • ዘለካ ክእለትን ፍልጠትን ተርእይ
  • ኣብ ናይ ሓቂ ምስ ስራሕ-ዝተተሓሓዙ ኩነታት ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ክትወዳደርን ክእለትካ ከተርእይን ከምኡውን ዘሎካ ክእለት ከተመሓይሽ ነብስኻን ክእለትካን ክትግምግምን ዕድል ኣሎካ፡፡
  • ስራሕካ ብዝለዓለ ደረጃ ክትፍጽም ከምኡውን እወታዊ ኣድናቖት ከተትርፍ ክትፍትን ኣሎካ፡፡
  • ኣብዚ ናይ ስራሕ ዓለም ሓደሽቲ ርክባትን ኣጋጣሚታትን ትፈጥር፡፡
  • ናይ ጀርመን ቋንቋ ክእለታትካ’ውን እንዳተመሓየሸ ይመጽእ፡፡
  • ኣብ መወዳእታ ናይቲ ልምምድ ስራሕ፡ ካብቲ ኣስራሒ መወከሲ ትረክብ፡፡ ጽቡቕ መወከሲ ኸኣ ጽቡቕ ስራሕ ክትረክብ ከምኡውን ንቀጻሊ ስጉምቲታትካ መደብ ንኸተውጽእ ይሕግዘካ፡፡

ካልኦት ዕድላት

  • ካልእ ልምምድ ስራሕ
  • ኣብ ተወሰኽቲ ናይ ሞያዊ ውህደት ስልጠናታት ምክፋል
  • ንፍሉይ ስራሕ ዚምልከት ትምህርታዊ ስልጠናታት
  • ስሩዕ ልምምዳት ስራሕ
  • ናይ ትርፊ-ግዜ ወይ ቀዋሚ መደብ-ስራሕ

ናይ ክፋል ማእቶት ስራሕ መድረኻዊ መርኣያ (Stufenmodell) እንታይ ማለት እዩ?

መእተዊ፥

  • 6 ወርሒ መለማመዲ ስራሕ (ዝበዝሐ)

ከፊላዊ ደሞዝ ዝጅምረሉ፥

  • 6 ኣዋርሕ ምስ ደሞዝ፡ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ዓመት ናይ ልምምድ ስራሕ
  • 6 ኣዋርሕ ምስ ደሞዝ፡ ኣብ ግዜ ካልኣይ ዓመት ናይ ልምምድ ስራሕ
  • 6 ኣዋርሕ ምስ ደሞዝ፡ እንተዋሓደ CHF 2,500

ኣማራጺታት ንድፊ መድረኽ፥

  • ልምምድ ስራሕ ንምግባር ኣጋጣሚ ምርካብ
  • ስራሕ በቲ ናይቲ እንዱስትሪ ልሙድ ዝኾነ ብዝወሃብ ደሞዝ
  • ምግዳፍ ስራሕ

ኩነታት፥

  • ኣብ መድረኽ ከፊላዊ ደሞዝ ኣብ ዘለኽሙዎ እዋን፡ ኣብ ናይ ትርፊ-ግዜ ስልጠናታት ምክፋል (ናይ ቋንቋ ስልጠናታት/ሓፈሻዊ ትምህርቲ/ ኣብ ፍሉይ ኢንዱስትሪ ዘተኮረ ስልጠናታት) ግድነታዊ እዩ።

ሸቶ፥

  • ኣብ ዝተፈልየ ዓውዲ ዘተኮረ ናይ ነዊሕ ግዜ ሞያዊ ውህደት፡ ብዕድላት ትምህርቲን ስልጠናታትን
  • ጽቡቕ ሞያዊ ብቕዓት ከምኡውን ናይ ስራሕ ልምዲ
  • ክእለታት ቛንቋ ጀርመን ክሳዕ B1 ዚበጽሕ ምምሕያሻት ምግባር

ክማልኡ ዝግባኦም ረቛሒታት

  • ናይ ቋንቋ ጀርመን ክእለት እንተዋሓደ A1+
  • ንጹር ሓሳባት ብዛዕባ ናይ መጻኢ ስራሕ/ሞያ
  • ብጉስን ንጡፍን ምትሕብባር ጌርካ ስራሕ ንምስራሕ ምድላው
  • ተወፋይነት ኣብ ልሙድ ናይ ሓባር ስምምዓት

ጭቡጥ ውጽኢታት

  • ምስ ኩባንያ ዚግበር ናይ ስራሕ ስምምዕ
  • ሞያዊ ናይ ስራሕ ልምምድ/ስልጠና ንምጅማር ዜድሊ ሓቀኛ ዕድላት
  • ኣብ ተመሳሳሊ ዓይነት ክፍሊ ስራሕ ወይ ምስኡ ዝተተሓሓዙ ኢንዱስትሪታት ተራ ንምህላው ዜድሊ ሓቀኛ ዕድላት
  • በቲ ኢንዱሰትሪ ልሙድ ዝኾነ መሰረታዊ ደሞዝ
  • ብሞያ ኾነ ብገንዘብ ንሓደ ሰብ ከማዕብል ዝኽእል መሰረት ምህላው

ተወሳኺ ስጉምቲ/ዝተተሓሐዙ ኣማራጺታት

  • በቲ ናይ ስራሕ ኣሰልጣኒ ድገፍ ዝውሃቦ ምድላይ ስራሕ

ኣየናይ ሞያ ንዓይ ከም ዝሰማማዕ ከመይ ገይረ ክፈልጥ ይኽእል?

ናይ ስራሕ ኣማኻሪኹም ኣብ ምጽራይ ብቕዓት ሞያ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ተኽእሎታት የርእየኩም። ካብኣታቶም ንኣብነት፡

ናይ ሞያ መሰረተ ስልጠና ንምውዳእ ዘብቅዑ ቅድመ ኩነታት ኣየኖት እዮም?

ገለ ካብቶም ቀንዲ ቅድመ ኩነታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

  • ቋንቋ ጀርመን ደረጃ B1 ከከም ዓውደ ሞያ B2 (ብቃልን ጽሑፍን ዓወት ዝተረኽቦም ናይ Telc-ፈተናታት)
  • ጽቡቕ ክእለት ናይ ዓይነት ትምህርቲ ቁጽሪ
  • ርእስኻ ክኢልካ ምጽናዕ ምኽኣልን፣ ናይ መጽናዕቲ ሜላታት ምምላኽን
  • ንሞያዊ ስልጠና ብምሉእ ድሌት ምስራሕ
  • ከም ሰብን ኣብ ብቕዓት ክእለት ቋንቋን ንምምዕባል ቅሩብ ምዃን
  • 100% ቅሩብ ምዃን። (ክፋል ግዜ ኣይከኣልን እዩ)
  • ካብ 2- ክሳዕ 4 ዓመታት ገንዘብ ሓገዝ እናረኸብካ ሓላፍነት ንምጽዋር ቅሩብ ምዃን። (ንተመሃርቲ ሞያ ዝወሃብ ደሞዝ ንወጻኢታት ናብራ ዝሽፍን ኣይኮነን)

መሰረተ ትምህርቲ EBA (ፌደራላዊ ምስክር ሞያ) ወይ EFZ (ፈደራላዊ ምስክር ብቖዓት) ቅድመ ኩነት ናይ ጽቡቕ ናይ ቤት ትምህርቲ ውጽኢትን፣ ቋንቋዊ ክእለትን፣ ዓቢ ተወፋይነትን። ተቐባልነት ካብ ሓደ ናይ ሞያ ትካል ትምህርትን እንተሎካ እዩ ክብጻሕ ዝከኣል።