Navigation

Inhaltsbereich

ንውላድኩም ካብ ቤተ ሰብ ወጻኢ ኣየኖት ናይ ምእላይ ቆልዓ ተኽእሎታት ምህላዎም፣ ኣየኖት መምርሒታት ብዛዕባ ናይ ኣደነት ወይ ኣቦነት እዋን ዕረፍቲ ከም ዘለዉ፣ መን ናይ ቤተ ሰብ ደገፋት( Familienzulagen) ከም ዝረክብ፣ ናይዝን ካልእን ሓበሬታታት ኣብዚ ገጽዚ ትረኽቡ።

ናብ ስራሕ እንተ ወፈርኩ ቆልዓይ መን ክሕዘለይ ይኽእል?

ሕጻናት ናይ ሚድሁ ተንከባከብቲ ሕጻናት የድልዮም እዩ። ሕጻናት በጉቡእ ምእንቲ ክዓብዩ ዝተፈላለየ ዓይነት መነቃቅሕን መበረታትዕን የድልዮም እዩ። ንሓደ ስድራ ቤት ኣባላት ኩሉ ጊዜ እዚኦም ወሳንቲ ነገራት ምምላእ ከምዝከኣል እዩ።

ብዙሓት ናይ ስዊዘርላንድ ግዝኣታት ዝዕድሚኦም ክሳብ 4 ዓመት ዝኾኑ ሕጻናት ናይ ክንክን ስፍራ አለዎም። ሕጻናትን ናይ ሚድሁ ሕጻናት ብቁዓት ዝኮኑ ክትትል ምንክብካብ ውሃብቲ ናይ ክንክን ትምህርቲ ይረክቡ። በጠቅላላ ወለዲ ደቆም ናብዚ ናይ ክንክን ክትትል ቦታታት በብዕለቱ ሓደ ሓደ እዋን ወይድማ ንፍርቂ መዓልቲ ንምውሳድ ክመርፁ ይክእሉ እዮም።

ሕጻናት ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ምስ ካልኦት ሕጻናት ብምውዓል ክንክን ክረክቡ ይክእሉ እዮም። ሰባት ሙሉእ መዓልቲ፣ ፍርቂ መዓልቲ ወይድማ ንሰዓት ሕጻናት ቆልዑት ክሕልው ይክእሉ እዮም። ንዝሓሸ ሓበሬታ በጃኩም ናብ famur ናይ ሕጻናት ክትትል ትካል ይኪዱ።

ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ወይ ድሕሪ ትምህርቲ ቆልዓይ መን ይሕዘለይ?

ኣብ ገለ ኮማት ናይ ቀትሪ መጽንሒ ቆልዑ (Tageshorte) ወይ ከኣ ናይ መዓልታዊ መዕቆብ ቆልዑ (Kindertagesstätten) ይርከቡ። ኣብኡ ህጻናት ኣብቲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ክህልዉሉ ዘይክእልሉ ሰዓታት ይእለዩ። ህጻናት ኣብኡ ምሳሕ እውን ክበልዑ ይኽእሉ። ገለ ቤት ትምህርቲታት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ምእላይ ኣገልግሎት ይህባ እየን። እዚ ግን ዝውቱር ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሓት ኮማት ኣብ እዋን ፍርቂ መዓልቲ ቆልዑ ክምገብሉ ዝኽእልሉ መምስሒ (Mittagstisch) ኣሎ። ንመዋእለ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ቀረባት ምእላይ ኣብ ኮምኩም ተወከሱ።

ወጻኢታት ምእላይ ከከም እትዋት ወለዲ እዩ። ወለዲ ባዕላቶም ከኣ እዮም ዝኸፍልዎ።

ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ቆልዓይ መን ይሕዘለይ?

መብዛሕቱ ግዜ ስራሕ ዘለዎም ወለዲ ኣብ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ስርሖም ከዕርፉ ኣይኽእሉን። ንቆልዑ መዋእለ ህጻናትን ተመሃሮን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮማት ናይ ምእላይ ተኽእሎታት ኣሎ፣ ገሊኡ ከኣ በተን ቤት ትምህርቲታት ዝቕረብ እዩ። ኣየነይ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ ቤት ትምህርትን መጽናሕቲ ህጻናትን ተዘራረቡ። ስድራ ቤታት ብብሕተን እውን ብምድግጋፍ እናተበራረያ ክኣልያ ይኽእላ እየን።

ቆልዓይ ሕሙም እዩ፣ ኣነ ኸኣ ወፋሪት እየ። ኣየኖት መሰላት ኣለዉኒ?

ቆልዓ እንተ ሓመመ፣ሓደ ካብ ወለዱ ኣብ ገዛ ኮይኑ ክኣልዮ ይኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ምሕማም ማለት እዩ። ንወሃብ ወይ ወሃቢት ስራሕኩም ናይ ሓኪም ምስክር ከተቕርቡ ይግባእ።

ከም ወላዲ መጠን ግና ተተካእቲ ፍትሓት ክትረኽቡ (ንኣብነት ነቲ ቆልዓ ክኣልዩ ዝኽእሉ ኣዝማድ ወይ ፈተውቲ) ምርካብ ክትፍትኑ ይግብኣኩም።

ናይ ኣደ መሰል ዕረፍትን፣ ናይ ደሞዝ መሕወዪ ክፍሊትን ንመን ይፍቀድ?

ኣብ ስራሕ እንዳሃለዋ ሕርሲ ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ወሊድ ክፍሊት ኣለወን፡ ፡ እዚ ንክኸውን ግና ቅድሚ ምውላዳ ዘሎ ትሽዓተ ወርሒ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መድሕን ክትኣቱ ይግባእ፡ ብተወሳኺ ውን ን5 ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ክትጸንሕ ይግባእ፡ ፡ እዚ ናይ ክፍሊት መሰል ካብ ዕለት ሕርሲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሳምንታት ይቕጽል፡ ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ 80 % ካብ ደሞዛ ትረክብ፡ ፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ግን 196.00 CHF ንመዓልቲ እዩ፡፡

ንናይ ኣቦነት ዕረፍትን ክፍሊት መሕወዪ ደሞዝን እንታይ ይትግበር?

ሰብ ወፍሪ ኣቦታት ኣብተን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላድ ቆልዓ ናይ ክልተ ሰሙናት (ኣንተ በዝሐ 14 መዓልታት) ናይ ኣቦነት መሰል ዕረፍቲ ኣለዎም። ንዝስዕብ ምጉዳል ማእቶት ዝኽሕስ ከኣ 80 % ናይቲ ቅድሚ ልደት ቆልዓ ዝኽፈሎም ዝነበረ AHV (ኣስተዋጽኦ ጡረታን ደገፍ ወረስትን) ዝኽፈሎ ደሞዝ እንተ በዝሐ CHF 196.– ንመዓልቲ ይወሃቦም።

ኣቦ ተቖጺሩ ዝሰርሕ እንተ ኾነ ንመሰል ናይ ኣደነት ክፍሊት ምሕዋይ ደምዝ ብወሃብ ስርሑ ኣቢሉ ካብ ዝምልከቶ AHV-Ausgleichskasse ከተግብር ይኽእል። ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ መርበብ ኢንተርነት ናይ ትካል ማሕበረሰባዊ መድሕን ግራውብዩንደን (Sozialversicherungsanstalt Graubünden) ምርካብ ይከኣል።

ናይ ቤተሰብ ድጎማ መን ይረክብ?

ስራሕ ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ቤተሰብ ኣበል ኣለዎም። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ ህጻናት ኣበል 220.00 CHF ንወርሒ እዩ፡፡ ኣብ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዘለዉ መንእሰያት (ዕድሚኦም ልዕሊ 25 ክሓልፍ የብሉን) እቲ ናይ ስልጠና/ትምህርቲ ኣበል 270.00 CHF ንወርሒ እዩ፡፡ እቲ ኣስራሒ ነቲ ናይ ቤተሰብ ኣበል ምስቲ ደሞዝ ኣተሓሒዙ የመሓላልፎ፡፡ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ስራሕ ዘይብሎም ስድራ ናይ ቆልዑ ኣበል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡