Navigation

Inhaltsbereich

ኣብ‘ዚ፣ ኣብ ከባቢኹም ምስ ዝርከቡ ሰባት ብቛንቋ ጀርመን ብጽቡቕ ንምርድዳእ ዝጠቕሙኹም ሓገዝቲ ምኽሪታት ትረኽቡ።

ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ከመይ ይሳለጠልኩም ኣሎ?

  1. ኣብ መመዓልቲ ገላ ሓደስቲ ቃላትን፣ ኣበሃህላታትን ትመሃሩዶ? ጽቡቕ ምዕባለ ምእንቲ ክትገብሩኸ ብምድግጋም ትለማመዱ`ዶ?
  2. ቋንቋ ጀርመን ዝከኣል እንተተዘራረብኩሙሉ ጥራይ እዩ። ምስ ኣዕሩኽትኹምን፣ ትፈልጥዎም ሰባትን፣ ጎረባብትኹምን ወይ ከኣ መሳርሕትኹም ኣዘውቲርኩም ተዘራረቡሉ።
  3. ኣብ ዕለታዊ ናብራ ብናይ ኮምፕዩተር ናይ መምሃሪ መተግበርቲ (Lernapps) ብቐሊሉ ቃላትን፣ምሉእ ሓሳባትን፣ ሰዋስውን ምምሃር ይከኣል ። ገለ ካብተን ፕሮግራማት ንኣብነት Duolingo, aCho, Einstieg Deutsch ዋጋ ዘይክፈለን እየን።
  4. ፊልምታት ብጀርመን ርኣዩ። እንተ ኣድለየ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ዝርኣይ ናይ ጽሑፍ ትርጉም ወልዑ፣ በዚ ኣቢልኩም ናይ ምስማዕን ምንባብን ዓቕሚ ምርዳእኩም ተማዕብሉን፣ ሰባት ክዛረቡ ከለዉ ምዕዛብ ትኽእሉን።
  5. ንቛንቋ ጀርመን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኹም፣ ምእንቲ ክትጥቀሙሉ፣ ንኣብነት ቃላት ወይ ኣበሃህላታት ብምምዝጋብ፣ ወይ ከኣ ኣብ ሓሳባትኩም ብምድግጋም ትዳለዉ‘ዶ?

ኣብ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኮርስ ወግዓዊ ዊ ጀርመን እየ ዝመሃር፣ ኣብ ዕለታዊ ዝርርባት ዝዝውተር ግና ልሃጃ ስዊሰ - ጀርመን እዩ። ልሃጃ ስዊሰ - ጀርመን ከመይ ገይረ ክላመድ ይኽእል?

ልሃጃ ስዊሰ - ጀርመን ኣብ ገለ ክፋላት Graubündenን ስዊዘርላንድን ይዝረብ። ሓደ ቃል ከመይ ኢሉ ከም ዝድመጽን፣ ዓይነታት ኣበሃህላታትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ። ክፍለጥ ዝግብኦ ወግዓዊ ስርዓት ኣጸሓሕፋ ልሃጃ ስዊሰ - ጀርመን ዘይምህላዉ እዩ። ሓደስቲ ምጽኣት ኣብ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኮርስ፣ ወግዓዊ ጀርመን ተማሂሮም፣ ኣብ ዕለታዊ ምርኽኻባቶም ከኣ ቀስ ኢሎም ናይ ዞብኦም ልሃጃ ስዊሰ -ጀርመን ከም ዝለማመዱ ይፍለጥ።ገለ ነገር እንተዘይተረደኣኩም፣ ንመዛርብትኹም ከም ዘይተረደኣኩም ኣፍልጥዎም፣ ወይ ከኣ ቀስ ኢሎም ክዛረብኹም ወይ እውን ወግዓዊ ጀርመን ኽጥቀሙ ሕተትዎም።

ማሕበር voCHabular ንሓደስት ምጽኣት፣ኣብ ዕለታዊ ናብራ ስዊዘርላንድ ዘድልዮም ናይ ቋንቋ ፍልጠት ብቒሊሉ ንምርካብ ዝጠቕሙ ናይ ባዕልኻ መምሃሪ መጻሕፍትን፣ ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪት ፕሮግራምን (App) ብምቕራብ ይሕግዝ፣እዚ ኸኣ ብእንግሊዝ/ወግዓዊ ጀርመን/ልሃጃ ስዊሰ-ጀርመን፣ ፋርሲ/ዳሪ ወግዓዊ ጀርመን/ልሃጃ ስዊሰ - ጀርመን፣ ከምኡ‘ውን ብዓረብ/ወግዓዊ ጀርመን/ልሃጃ - ስዊሰ ጀርመን፣ይርከብ።

SprachTreff GR እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ንባባት Graubünden ቋንቋ ጀርመን ናይ ዝመሃሩን፣ ቋንቋ ጀርመን ብዝሓሸ ደረጃ ክዛረቡን ክርድኡን ናይ ዝደልዩን ሰባት መራኸቢ ቦታታት ኣለዉ። እቲ ቀረብ ዋጋ ዘይክፈሎን፣ ምምልካት ዘየድልዮን እዩ። ሓበሬታ ብዛዕባ መራኸቢ ቦታታትን ቆጸራታትን ኣብ ዝስዕብ መርበብ ኢንተርነት ትረኽቡ።