Navigation

Inhaltsbereich

ኣብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ተኻፈሉ፣ ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን ከኣ ተራኸቡ። ናይ ብዙሓን መራኸብታት ብቋንቋ ጀርመን ተጠቐሙ (ጋዜጣ፣ ዩ ትዩብ፣ ቤት ንባብ) ኣገደስቲ ቃላት ኣብ መዝገብ ቃላትኩም ተወከሱ። ነቲ ዝተመሃርኩምዎ ደጋግምዎ፣ ንቋንቋ ጀርመን ኣገዳሲ ክፋል መዓልታዊ ህይወትኩም ግበርዎ።

A0

A0.1 / A0.2 / A0.3

ኣስታት 170 ምዕራፋት

 

ምስማዕ

  • ቁጽርታት ምፍላጥ
  • ካብ ዕለታዊ ህይወት ገለ ቃላት ምርዳእ

ምንባብ

  • ገለ ቃላት ብልክዕ ምንባብን ምርዳእን

ምዝራብ

  • ብሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባት ንርእስኻ ምስ ካልኦት ምልላይ
  • ፍሉጣት ቃላት ርዱእ ጌርካ ምድማጽ

ምጽሓፍ

  • ቃላትን ሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባትን ምጽሓፍ

A1

A1.1 / A1.2

ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት

ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ መልክዕ ምጽሓፍ

 

ምስማዕ

  • ኣቆጻጽራ ሰዓታት ምርዳእ
  • ቀለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒታት ምርዳእ

ምንባብ

  • ናይ ጻውዒት ዕድመ ምርዳእ
  • ቀሊል ምልክታ መራኸቢ ብዙሓን ምርዳእ

ምዝራብ

  • ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ስድራኻን ሓበሬታ ምሃብ
  • ቆጸራ ምግባር
  • ቆልዓ ካብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝበኩር ምንጋር፣ ንወሃብ ስራሕካ ምሕማምካ ምሕባር

ምጽሓፍ

  • ቀሊል ቅጥዒ ምምላእ
  • ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ምሕማምካ ንምሕባር)

A2

A2.1 / A2.2

ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት

ኣብ ስዊዘርላንድ ንቐለልቲ መዓልታውያን ፍጻመታት ባዕልኻ ቋንቋ መሊኽካ ምግላጽ

 

ምስማዕ

  • ኣብ ባንክ ወይ ፖስታ ቀንድን ኣገደስትን ሓበሬታታት ምርዳእ
  • ቀለለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒታት ምርዳእ

ምንባብ

  • ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተላእከ ቀሊል ደብዳበ ምርዳእ
  • ኣገደስቲ ሓበሬታት ናይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ጋዜጣ ምርዳእ

ምዝራብ

  • ቀሊል ናይ ተሌፎን ዝርርብ ምግባር
  • ካብ ባንክ ወይ ፖስታ ሓበሬተ ምውካስ
  • ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንኣብነት ብዛዕባ መገሻ ምዝራብ

ምጽሓፍ

  • ናይ ባንክ ወይ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ቅጥዒ ምምላእ
  • ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ንዓርክኻ ምዕዳም)

B1

 B1.1 / B1.2 / B1.3

ኣስታት 120 – 200 ምዕራፋት

ገለ ቃላት ብልክዕ ምንባብን ምርዳእን

 

ምስማዕ

  • ኣብ ዝርርባት፣ ራድዮን ተሌፎንን ቀንዲ ሓበሬታ ምርዳእ
  • ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒ ምርዳእ

ምንባብ

  • ኣገደስቲ ጽሕፋት ጋዜጣ ምርዳእ

ምዝራብ

  • ብዛዕባ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣጻሪኻ ምዝርራብ፣ ብዛዕብኡ ርእይቶኻ ምሃብ
  • ኣብ ናይ ወለዲ ኣኼባ ምስታፍን ሓሳባት ምሃብን
  • ብዛዕባ ስራሕን ትካል ስራሕን ምዝራብ

ምጽሓፍ

  • ቀሊል ናይ ስራሕ ጸብጻብ ምጽሓፍ
  • ብሕታዊ ወይ ሓውሲ ወግዓዊ ኢመይል ምጽሓፍ

B2

 B2.1 / B2.2 / B2.3

ኣስታት. 180 – 200 ምዕራፋት

ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ብ EFZ-Lehre (ፈደራላዊ ናይ ሞያ ብቕዓት) ምዝዛም

 

ምስማዕ

  • ናይ ቴለቩዥን ኣገልግሎት ኣብ ምክትታልን፣ምስ ናይ ኣደ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣብ ምዝርራብን መብዛሕትኡ ትሕዝቶ ምርዳእ
  • ኣብ ዓውደ ሞያኻ ዝግበር ዝርርብ ምጽራይ ትሕዝቶ ነገራት ምርዳእ

ምንባብ

  • ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ኣንቢብካ ቀንዲ ነጥብታት ምርዳእ
  • ኣብ ዓውዲ ሞያኻ፣ ዝተሓላለኹ መምርሒታት ምርዳእ

ምዝራብ

  • ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ንጹርን ሰፊሕን መግለጺ ምሃብ፣ ሓሳባት ምትግባርን ኣብነታት ምሃብን
  • ሓደ ንጹርን ስሩዕን ምርኢታዊ ገለጻ ምቕራብን፣ ካብ ሰማዕቲ ንዝቐርቡ ሕቶታት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ምምላስን
  • ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ፣ ንቡር ወይ ናይ ምጽራይ ዝርርባት ብቐሊል ምክያድ

ምጽሓፍ

  • ወግዓዊ ኢመይላት ምጽሓፍ (ጥርዓን፣ ምልክታ፣ ርእይቶ)

C1

C1.1 / C1.2 / C1.3

ኣስታት 180 – 200 ምዕራፋት

ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ልዑል ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር

 

ምስማዕ

  • ዋላኳ እውን ብዛዕባ ዘይትፈልጦም ጉዳያት ይኹን፣ ዝተሓላለኹ ዝርርባት፣ ናይ ሞያ ገለጻታትን ናይ ምጽራይ ዝርርባትን ምርዳእ

ምንባብ

  • ጥርኑፍ ትሕዝቶ ናይ ነዋሕትን ዝተሓላለኹን ጽሑፋት ምርዳእን፣ብረቂቕ ፍልልያት ትርጉም ዘለዎም ቃላት ዝተኣመቱ ኣተሓሳስባታትን ርእይቶታትን ምግንዛብን
  • ንሓደስቲ ናይ ስራሕ ኣቕሑ ወይ ከኣ መስርሕ ዝምልከቱ ነዋሕትን ሕልኽልኻትን መምርሕታት ምርዳእ

ምዝራብ

  • ብዛዕባ ሓደ ዝተሓልካለኸ ጉዳይ፣ ብዝተሰርዐ ኣገባብ ምዝራብ፣ መርገጽካ ምቕራብን ምኽኑይነቱ ምግላጽን፣ ኣብነታት ምሃብን
  • ኣብ ሓደ ሞያዊ ናይ ምጽራይ ዝርርብ ምክፋል

ምጽሓፍ

  • ብዛዕባ ዝተሓላለኹ ጉዳያት፣ ብንጹርን ዝተሰርዐ ኣገባብን ምጽሓፍ (ወግዓውያን ኢመይላት፣ ጸብጻባት፣ ፕሮቶኮላት፣ ምርኢታውያን ገለጻታት)

C2

C2.1 / C2.2 / C2.3

ኣስታት.. 180 – 200 ምዕራፋት

ኣብ ኩሉ ክእለታት (ምስማዕ፣ ምንባብ፣ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ) ዳርጋ ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ ዝዳረግ ደረጃ

 

ምስማዕ

  • ዳርጋ ኩሉ ትሰምዖ ብቐሊሉ ምርዳእ

ምንባብ

  • ዳርጋ ኩሉ ዝተነበበ ብቐሊሉ ምርዳእ

ምዝራብ

  • ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ጽሑፍን ቃልን ማዕከናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ምጽሟቕ
  • ዋላውን ኣብ ዝተሓላለኸ ጉዳያት፣ከይተዳለውካን ብዘይ ሰጋእመጋእን ብልክዕ ሓሳባትካ ምግላጽ።

ምጽሓፍ

  • ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ መልክዕ ምጽሓፍ