ደረጃታት ፍልጠት ቋንቋ
                    
                  
                  
    	
	
  
	
      
        
	
    
	ኣብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ተኻፈሉ፣ ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን ከኣ ተራኸቡ። ናይ ብዙሓን መራኸብታት ብቋንቋ ጀርመን ተጠቐሙ (ጋዜጣ፣ ዩ ትዩብ፣ ቤት ንባብ) ኣገደስቲ ቃላት ኣብ መዝገብ ቃላትኩም ተወከሱ። ነቲ ዝተመሃርኩምዎ ደጋግምዎ፣ ንቋንቋ ጀርመን ኣገዳሲ ክፋል መዓልታዊ ህይወትኩም ግበርዎ።
A0
A0.1 / A0.2 / A0.3
ኣስታት 170 ምዕራፋት
 
ምስማዕ
    - ቁጽርታት ምፍላጥ
    
 
    - ካብ ዕለታዊ ህይወት ገለ ቃላት ምርዳእ
    
 
ምንባብ
ምዝራብ
    - ብሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባት ንርእስኻ ምስ ካልኦት ምልላይ
    
 
    - ፍሉጣት ቃላት ርዱእ ጌርካ ምድማጽ
    
 
ምጽሓፍ
    - ቃላትን ሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባትን ምጽሓፍ
    
 
A1
A1.1 / A1.2
ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት
ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ  መልክዕ ምጽሓፍ
 
ምስማዕ
    - ኣቆጻጽራ ሰዓታት ምርዳእ
    
 
    - ቀለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒታት ምርዳእ
    
 
ምንባብ
    - ናይ ጻውዒት ዕድመ ምርዳእ
    
 
    - ቀሊል ምልክታ መራኸቢ ብዙሓን ምርዳእ
    
 
ምዝራብ
    - ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ስድራኻን ሓበሬታ ምሃብ
    
 
    - ቆጸራ ምግባር
    
 
    - ቆልዓ ካብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝበኩር ምንጋር፣ ንወሃብ ስራሕካ ምሕማምካ ምሕባር
    
 
ምጽሓፍ
    - ቀሊል ቅጥዒ ምምላእ
    
 
    - ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ምሕማምካ ንምሕባር)
    
 
A2
A2.1 / A2.2
ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት
ኣብ ስዊዘርላንድ ንቐለልቲ መዓልታውያን ፍጻመታት ባዕልኻ ቋንቋ መሊኽካ ምግላጽ
 
ምስማዕ
    - ኣብ ባንክ ወይ ፖስታ ቀንድን ኣገደስትን ሓበሬታታት ምርዳእ
    
 
    - ቀለለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ  መምርሒታት  ምርዳእ
    
 
ምንባብ
    - ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተላእከ ቀሊል ደብዳበ ምርዳእ
    
 
    - ኣገደስቲ ሓበሬታት ናይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ጋዜጣ ምርዳእ
    
 
ምዝራብ
    - ቀሊል ናይ ተሌፎን ዝርርብ ምግባር
    
 
    - ካብ ባንክ ወይ ፖስታ ሓበሬተ ምውካስ
    
 
    - ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንኣብነት  ብዛዕባ መገሻ ምዝራብ
    
 
ምጽሓፍ
    - ናይ ባንክ ወይ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ቅጥዒ ምምላእ
    
 
    - ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ንዓርክኻ ምዕዳም)
    
 
B1
 B1.1 / B1.2 / B1.3
ኣስታት 120 – 200 ምዕራፋት
ገለ ቃላት ብልክዕ ምንባብን ምርዳእን
 
ምስማዕ
    - ኣብ ዝርርባት፣ ራድዮን ተሌፎንን ቀንዲ ሓበሬታ ምርዳእ
    
 
    - ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒ ምርዳእ
    
 
ምንባብ
ምዝራብ
    - ብዛዕባ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣጻሪኻ ምዝርራብ፣ ብዛዕብኡ ርእይቶኻ ምሃብ
    
 
    - ኣብ ናይ ወለዲ ኣኼባ ምስታፍን ሓሳባት ምሃብን
    
 
    - ብዛዕባ ስራሕን ትካል ስራሕን ምዝራብ
    
 
ምጽሓፍ
    - ቀሊል ናይ ስራሕ ጸብጻብ ምጽሓፍ
    
 
    - ብሕታዊ ወይ ሓውሲ ወግዓዊ ኢመይል ምጽሓፍ
    
 
B2
 B2.1 / B2.2 / B2.3
ኣስታት. 180 – 200 ምዕራፋት
ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ብ EFZ-Lehre (ፈደራላዊ ናይ ሞያ ብቕዓት) ምዝዛም
 
ምስማዕ
    - ናይ ቴለቩዥን ኣገልግሎት ኣብ ምክትታልን፣ምስ ናይ ኣደ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣብ ምዝርራብን መብዛሕትኡ ትሕዝቶ ምርዳእ
    
 
    - ኣብ ዓውደ ሞያኻ ዝግበር ዝርርብ ምጽራይ ትሕዝቶ ነገራት ምርዳእ
    
 
ምንባብ
    - ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ኣንቢብካ ቀንዲ ነጥብታት ምርዳእ
    
 
    - ኣብ ዓውዲ ሞያኻ፣ ዝተሓላለኹ መምርሒታት  ምርዳእ
    
 
ምዝራብ
    - ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ንጹርን ሰፊሕን መግለጺ ምሃብ፣ ሓሳባት ምትግባርን ኣብነታት ምሃብን
    
 
    - ሓደ ንጹርን ስሩዕን ምርኢታዊ ገለጻ ምቕራብን፣ ካብ ሰማዕቲ ንዝቐርቡ ሕቶታት  ብዘይ ሰጋእ መጋእ ምምላስን
    
 
    - ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ፣ ንቡር ወይ ናይ ምጽራይ ዝርርባት ብቐሊል ምክያድ
    
 
ምጽሓፍ
    - ወግዓዊ ኢመይላት ምጽሓፍ (ጥርዓን፣ ምልክታ፣ ርእይቶ)
    
 
C1
C1.1 / C1.2 / C1.3
ኣስታት 180 – 200 ምዕራፋት
ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ልዑል ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር
 
ምስማዕ
    - ዋላኳ እውን ብዛዕባ ዘይትፈልጦም ጉዳያት ይኹን፣ ዝተሓላለኹ ዝርርባት፣ ናይ ሞያ ገለጻታትን ናይ ምጽራይ ዝርርባትን  ምርዳእ
    
 
ምንባብ
    - ጥርኑፍ ትሕዝቶ ናይ ነዋሕትን ዝተሓላለኹን ጽሑፋት ምርዳእን፣ብረቂቕ ፍልልያት ትርጉም ዘለዎም ቃላት ዝተኣመቱ ኣተሓሳስባታትን ርእይቶታትን ምግንዛብን
    
 
    - ንሓደስቲ ናይ ስራሕ ኣቕሑ ወይ ከኣ መስርሕ ዝምልከቱ ነዋሕትን ሕልኽልኻትን መምርሕታት ምርዳእ
    
 
ምዝራብ
    - ብዛዕባ ሓደ ዝተሓልካለኸ ጉዳይ፣ ብዝተሰርዐ ኣገባብ ምዝራብ፣ መርገጽካ ምቕራብን ምኽኑይነቱ ምግላጽን፣ ኣብነታት ምሃብን
    
 
    - ኣብ ሓደ  ሞያዊ  ናይ ምጽራይ ዝርርብ ምክፋል
    
 
ምጽሓፍ
    - ብዛዕባ ዝተሓላለኹ ጉዳያት፣ ብንጹርን ዝተሰርዐ ኣገባብን ምጽሓፍ (ወግዓውያን ኢመይላት፣ ጸብጻባት፣ ፕሮቶኮላት፣ ምርኢታውያን ገለጻታት)
    
 
C2
C2.1 / C2.2 / C2.3
ኣስታት.. 180 – 200 ምዕራፋት
ኣብ ኩሉ ክእለታት (ምስማዕ፣ ምንባብ፣ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ) ዳርጋ ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ ዝዳረግ ደረጃ
 
ምስማዕ
ምንባብ
ምዝራብ
    - ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ጽሑፍን ቃልን ማዕከናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ምጽሟቕ
    
 
    - ዋላውን ኣብ ዝተሓላለኸ ጉዳያት፣ከይተዳለውካን ብዘይ ሰጋእመጋእን ብልክዕ ሓሳባትካ ምግላጽ።
    
 
ምጽሓፍ
    - ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ  መልክዕ ምጽሓፍ