Navigation

Inhaltsbereich

ኣብዚ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ሓበሬታ ትረኽቡ።

ውላደይ ብዛዕባ ቋንቋን፣ታሪኽን፣ ባህልን መበቆል ሃገርና ክመሃር ይኽእል‘ዶ?

ኣብ ገለ ቤት ትምህርቲታት ናይ ካንቶን፣ ኮርሳት Heimatliche Sprache und Kultur (HSK) (ናይ መበቆል ሃገር ቋንቋን ባህልን) ይቕረቡ እዮም። ናይዚ መወልቲ ቆንስላት፣ ኤምባሲታት ወይ ከኣ ማሕበራት እዮም። እቲ ኮርሳት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናጻ ኣጋ ምሸት፣ ድሕሪ ስሩዕ ትምህርቲ፣ ወይ ከኣ ንግሆ ቀዳም እዩ ዝወሃብ። ብዛዕባ ዘሎ ቀረባት ምስ መማህራን ውላድኩም ተዘራረቡ። ጥርኑፍ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ናይ Amt für Volksschule (ሰብ መዚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ፍቓድ ጽንኩር-ኩነት (Härtefallbewilligung) ንምርካብ ኣየኖት ብቕዓታት ክእለት ቋንቋ ከም ቅድመ ኩነት ኮይኖም ይጥለቡ?

ካብ ሽማግለ- ጽንኩር ኩነት ናይ Amt für Migration und Zivilrecht (ሰብ መዚ ፍልሰትን ሲቪላዊ ሕግን) B-Bewilligung ንምርካብ ዝተፈላለዩ ናይ ምውህሃድ ዝርዝራትን፣ድምር ኩነታት መነባብሮን ኣብ ግምት ይኣትዉ።

ቋንቋዊ ምውህሃድ ብዝምልከት፣ ቋንቋዊ ብቖዓታት፣ ዕለታዊ መነባብሮ ንምምላኽ ከም ቅድመ ኩነት ኮይኑ ይቐርብ። ንሳቶም ድማ ብዝስዕብ ኣገባብ ክረጋገጹ ይኽእሉ።

  • ተፈላጥነት ዘለዎ ናይ ቋንቋ ወረቐት ምስክር ብደረጃ A2 (Telc, ÖSD, Fide, Goetheinstitut u.ä.)
  • ብኻብ ሓደ ተፈላጥነት ዘለዎ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ዝተመስከረ መረጋገጺ፣ እንተ ወሓደ ናይ 80 % ተኻፋልነት ኣብ ናይ 280 ምዕራፋት ኮርስ ቋንቋ ጀርመንን፣ ናይ ቃል ብቕዓት ቋንቋ ደረጃ A2ን

ኣብ ፍሉይ ኩነታት፣ ኣብ ስልጠናን ትምህርትን ልምዲ ዘለዎም ሰባት፣ ብዘይ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምስክር። ብቑዕ ምልክታ ብምቕራብ ጥራይ፣ ብቓል ተፈቲኖም ናይ ደረጃ A2 ወረቐት ምስክር ክረኽቡ ይኽእሉ።

ናይ ሓኪም ናይ ጥዕና-ጎደሎነት ወረቐት ምስክር (ናይ ምዝራብን ምስማዕን ጉድኣት፣ ናይ ምዝራብ ወይ ምስማዕ ጉድኣት፣ ከቢድ ስነ ኣእምራዊ ወይ ኣካላዊ ጸገም) ንዘለዎም ሰባት፣ ቅድመ ኩነት ዕለታዊ ምርድዳእ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝምልከቶ ሰብ ብብሕቲ ተመርሚሩ ይርኣይ።

መምርሒ ናይ ሽማግለ-ጽንኩር- ኩነትን፣ ወረቐት ሓበሬታ ናይ ኣቀራርባ ምልክታን ኣብ መርበብ ኢንተርነት Amt für Migration und Zivilrecht (ሰብ መዚ ፍልሰትን ሲቪላዊ ሕግን) ትረኽቡ።

ኣባል ቤተ ሰብ ካብ ወጻኢ ምእንቲ ክኣትወለይ ምልክታ ከቕርብ እደልይ። በዓልቲ ቤተይ / በዓል ቤተይ፣ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ንኽምሃር ዘይግዱድ ውላደይ እንታይ ዓይነት ቅድመ ኩነት ናይ ቋንቋ ፍልጠት ከተማልእ / ከማልእ፣ ይግደድ / ትግደድ?

ምልክታ ንምቕራብ፣ ወይ ወረቐት ምስክር ክእለት ቋንቋ ደረጃ A1 (ናይ ቃል)፣ ወይ ከኣ መረጋገጺ ንምክፋል ናይ ቋንቋ ኮርስ ናይ ዝቐረበ ምልክታ የድልይ። ምምዝጋብ ኣብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ድሕሪ ምእታው ዝፍጸም እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ናይ ቋንቋ ኮርስ ተኻፊልኩም ናይ ምውዳእ ናይ ግዴታ መግለጺ ተፈሪሙ ክቐርብ ይኽእል።