Navigation

Inhaltsbereich

ናይ ቤተ ሰብ ቋንቋ፣ ወለዲ ምስ ደቆም ዝዛረብሉ ቋንቋ እዩ። ከከም ዘለዎም ደረጃ ክእለት ናይ ቤተ ሰብ ቋንቋ፣ ንተዛረብቲ ወጻኢ ቋንቋታት፣ ብማዕሪኡ ምምሃር ዞባዊ ቋንቋ ይቐለሎም። ስለዚ እምበኣር ግዜ ወሲድኩም ምስ ደቅኹም ብቋንቋኹም ተዛረቡ።

ኣብ ገዛኹም እናዓየይኩም ምስ ጓልኩምን ወድኹምን ተዛረቡ። ምስኣቶም ክትዛረቡ ከለኹም፣ ጽን ኢልኩም ስምዕዎምን፣ መልሲ ሃብዎምን። ብሓንሳብ ኣብ ግዳምን ናይ መጻወቲ ቦታን፣ ጫካን፣ ባሕርን ተዛወሩ። ብዛዕባ እቲ ትርእይዎ ብምዕላል ሓደስቲ ቃላት ምምሃር ይከኣል እዩ። ብሓንሳብ ኰንኩም ናይ ስእሊ መጻሕፍቲ ርኣዩን ዛንታታት ኣዘንትዉን።

ውላድኩም ኣብ ናይ መጻወቲ ቦታ፣ ወይ ምስ ጉጅለ ጸወታ ምስ ደቂ ዓዲ ናይ ምርኻብ ዕድል ይረክብ። ካልኦት ተወሰኽቲ ቃላት ንምምሃር ስለ ዘተባብዕ፣ ብዛዕባ ናይቲ ሓድሽ ቋንቋ ዘጽንዖ ቃላት ታሕጓስኩም ኣርእዩ።

ውላደይ ኣብ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ቋንቋታት ዝዝረቦ ከበቢ ይዓብይ ኣሎ፣ ከመይ ገይረ ክም ዝድግፎ ኣበይ ምኽሪ ክረኽብ ይኽእል?

ኣብ ጥራዝ ሓበሬታ "Sprich mit mir und hör mir zu!" (ምሳይ ተዛረብን ንዓይ ስምዓንን) ወለዲ ንውላዶም ኣብ ምኽኣል ቀዳመይቲ ቋንቁኦም ከመይ ገይሮም ክድግፍዎም ከም ዝኽእሉ ሓበሬታ ትረኽቡ። ብተወሳኺ ስለምንታይ ናይ ትነብሩሉ ቦታ ቋንቋ ምምሃር ኣገዳሲ ከም ዝኾነ እውን ሓበሬታ ትረኽቡ። ንኣብነት ኣዕሩኽን መሓዙትን ንምርካብ፣ ኣብኡ ኣስተርሒኻ ንምንባርን፣ ኣብ መዋዕለ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ብጽቡቕ ኣጀማምራ ምብጋስ ንምኽኣልን።

ቋንቋ ናይ መራኸቢ መስመር እዩ። ህጻናት ነዚ ምስ ካልኦት ህጻናት ኣብ ዝገብርዎ ምልውዋጣት የተግብርዎን ይመሃርዎን እዮም። ምስ ኣዲኦም ናብ ዕዳጋ ብምኻድ፣ ምስ ኣቦኦም ብኣውቶቡስ ብምጉዓዝ፣ ወይ ከኣ ኣብ ጉጅለ ጸወታ ምስ ኣዕሩኾምን መሓዙቶምን። ወለዲ ወይ ኣለይቲ ከመይ ገይሮም እወንታዊ ሃዋህው ንብቕዓት ቋንቋ ክቕርቡ ከም ዝኽእሉ ኣብ ብ13 ቋንቋታት ዝተዳለዉ 25 ሓጸርቲ ፊልምታት ናይ Bildungsdirektion Zürich (ማእከል ትምህርቲ ዝዩሪሽ) ክርአ ይከኣል።

ንውላደይ ናብ ሓደ ጉጅለ ጸወታ ክሰዶ‘ዶ

ኣብ ጉጅለ ጸወታ፣ ህጻናት ኣብ ምዕባለኦም ደገፍ ይረኽቡን፣ንመዋዕለ ህጻናት ይዳለዉን። ምስ ካልኦት ቆልዑ ክሕወሱን፣ ክጻወቱን፣ ክማቐሉን፣ ንሓድሕዶም ክከባበሩን፣ ክበኣሱን ደሓር ከኣ ክዕረቑን ይመሃሩ። ኣብ ርእሲኡ`ውን ውላድኩም ናይ‘ቲ ቦታ ቋንቋ ንኽለማመድ ዕድል ይረኽቡ። ካብ ትነብሩሉ ኮም ብዛዕባ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ቀረብ ጉጅለታት ጸወታ ተወከሱ። ሕቶታትኩም ናብ Fachstelle Integration (ሰብ መዚ ክፍሊ ምውህሃድ) እውን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብቁጽሪ ተሌፎን 081 257 26 38 ወይ ከኣ ኢመይል info@integration.gr.ch. ክትረኽቡና ትኽእሉ።