Navigation

Inhaltsbereich

ኣብዚ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ንወለዲ ምስ ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ደቆም፣ ብብዙሕ ቋንቋታት ብዛዕባ መዕበያን፣ ትምህርትን ጉዳያት ጥዕናን ሓበሬታ ትህብ App. (ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪት ፕሮግራም) ትርከብ‘ዶ?

እወ፣ እታ App (ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪት) parentu ትበሃል፣ ዋጋ ከይተኸፍላ ኸኣ ካብ (App-Store, Google Play) ክትወርድ ትኽእል።

ሎሚ ወላዲ ምዃን ካብ ኩሉ እዋናት ንላዕሊ ዝያዳ ሓላፍነት ዝጠልብ እዩ። መልሲታት ንዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣብ ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት፣ ወሃብቲ ምኽርን፣ ናይ ኢንተርነት ምይይጣትን፣ ወይ ከኣ ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪታት ይርከቡ። ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪት ፕሮግራም parentu ንወለዲ ኣብ ናይ ስድራ ቤት ዕለታዊ ናብራ ብምብግጋስን ሓድሽ ኣብ ሞያዊ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍልጠትን ብምቕራብን ትድግፍ። እቲ ሓበሬታ ብቋንቋታት ኣልባንያ፣ ዓረብ፣ ቦስንያ/ ክሮኣስያ/ ሰርብያ ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ፖርቱጋል፣ ስፓኛ፣ ታሚል፣ ትግርኛን ቱርክን ተቐሪቡ ይርከብ።

ወጻኢታት ናይ ሕክምና መድሕን ከመይ ገይረ ክቑጥብ ይኽእል?

ፕሪሜም ኢንሹራንስ ፋንድ ጥዕና ኣብ በጀት ስድራ ቤት ዓቢይ ጸልዋ ከምጸእ ይክእልረዩ። ዋጋታት ፕሪሜም ዝቅነስሉ ብዙሕ መንገዲታት ኣሎ:-

ዓቢይ ሕልፊ ምክፋል፡- ዓቢይ ሕልፊ (እንተወሓደ CHF 2.500) ፕሪመም ብዓብዩ ዝቅንስዩ። መዘካከሪ:- እዚ ኣካታቲሎም ዘይሓሙ እንተኮይኖም መብዛሕቲኡ እዋን ናብ ዶክተር መካድ ዛየድል ዮም እንተኮይኑ ጥራሕ ዝምረጾዩ።

ሕሱር ኢንሹራንስ ፋንድ ጥዕና ምስ ፕሪመምን ጥቅሚታት ኢንሹራንስ ፋንድ እንትነጻጸር ናይ ፕሪሜም ጸብጻብ ኣብ መንግስቲ ዌብሳይት ብምጥቃም ይስርሑ ንኣብነት።

ቅናሽ ፕሪመም ዋልቀስባት ካንቶን ትሑት እቶት ቅናሽ ፕሪሜም ካንቶን ዝግባኦምዮም። እዚ ማለት እቲ ካንቶን ዝተወሰነ ፕሪመማት ኢንሹራንስ ፋንድ ጥዕና ይከፋል። ጥርዓን ኣቤቱታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ብምግባር ኣብ ሕድ ሕድ ዓመት እቲ ፎርም የቅርብ። ኣብ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ።
ስለ እዚ ሀዋሁ ክረክቡ ይክእሎዮም። ወይድማ Graubünden ቤት ጽሕፈት ማሕብራዊ ኢንሹራንስ።

ስለምንታይ እዩ Privathaftpflichtversicherung (ናይ ብሕቲ ግዴታዊ ናይ ምኽሓስ መድሕን) ምግባር ዘድልይ?

ምናልባት ኣብ ካሊእ ስብ ጉደኣት ወይድማ ሓደጋ እንተብደሓም ዘለዋም ንብረት ብውሕስና ይተሓዝ። ስለዚድማ ወልቀ ሰባት ወይድማ ስድራ ቤት ናይ ወልቂ ኢንሹራንስ እንተሃለዋም ጠቃሚዩ ምክንያቱ እዚ ኣብ ውድመት ሽፋን ኢንሹራንስ ስለዝሸፈንዩ። ሓሓሊፉ በዓል ገዛን በዓል ስልጣን ናይ ወልቀ ወሕስና ኢንሹራንስ ከቅርቡ ትጺቢት ይገብሩዮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ ቡዙሓት ኢንሹራንስ ትካላት እዚይ መሰል ኢንሹራንስ ዝህቡ ኣለዋ። ዘለዎም ጥቅሚታትን ፕሬሚየም ዘነፃፀረ እዩ። ምክንያት ዓቢይውን ክከውን ይክእልዩ።