Navigation

Inhaltsbereich

ጽቡቕ ማሕበረ ሰባዊ ምትእስሳር ምግባር ከመይ ገይሩ ከም ዝጠቕመኩም፣ ናይ መራኸቢ ቦታታትን ፣ናይ ምርኻብ ተኽእሎታትን ብኸመይ ከም ትረኽቡን፣ ቤት ንባባት ኣበይ ከም ዝርከቡን፣ እዝን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ኣብዛ ናይ ኢንተርነት መርበብ እዚኣ ትረኽቡ።

ልምድን ስርዓትን ናይ Graubünden ብኸመይ ክላለዮ እኽእል?

ኣገባባት ውልቃውን፣ ማሕበረ ሰባውን ርክባት፣ ከከም ሃገሩን ቦትኡን ይፈላለዩ። ናብ ባዕዲ ሃገር ተሰዲዶም ዝመጽኡ ሰባት፣ናይ ተሰዲዶም ዝኣተዉዎ ሃገር ልምድን ስርዓትን ክፈልጥዎን ክለማመድዎን ይግባእ። ‘‘ኣብ መበቆል ሃገረይ ከመይ እዩ?“ ኢልካ ንርእስኻ ምሕታትን፣ኣብዚ እንታይ ከም ዝግበር ምዕዛብን ነዚ ንምርዳእ ይጠቅም። ኣብ‘ዚ ነዊሕ እዋን ምስ ዝጸንሑ ሰባት ምዝርራብ፣ ኣየኖት ልምድታትን ስርዓትን ኣብዚ ቅቡላት ምዃኖም ኣብ ምርዳእ ይጠቅም።

ጽቡቕ ማሕበረ ሰባዊ ዝምድና ምፍጣር ከመይ ኢሉ ይጠቕመኒ?

ሓያሎ ካባና ብኸም ፋይስ ቡክ፣ ኢንስታግራም ወይ ከኣ ትዊተር ዝኣመሰሉ ናይ ብዙሓን መራኸቢታት ኣቢልና ምስ ብዙሓት ሰባት ዝተኣሳሰርና ኢና። እዚ ተምሳላዊ ምትእስሳር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ምስ ቤተ ሰብን ኣዕሩኽን ኣብ መበቆል ሃገር ኣብ ምርኻብ።

ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ግን ብኣካ

ምስ ሰባት እናተራኸብና ኢና ክንዋሳእ ንኽእል። ምስ ሰባት ብዛዕባ ፍጻመታትን፣ ተመኩሮታትናን፣ ርእይቶታትናን እናተዘራረብና ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ንፈጥር። እዚ ኸኣ ናይ ድልዱልን ዓቕሚ ጹረት ዘለዎን ዝምድናታትን ርክባትን ንምህናጽ መሰረት ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ማሕበረ ሰባዊ ርክባት ንኹሎም ተኻፈልቱ፣ ኣብ ውልቃዊ ይኹን ሞያዊ ናብርኦም ይጠቅም። ብእንካን ሃባን ከኣ እዩ ዝሰርሕ። ንኣብነት ሓደ ትፈልጥዎ ሰብ ብዛዕባ ናጻ ዝኾነ መንበሪ ቤት ሓበሬታ ክህበኩም፣ ንስኹም ከኣ ንሱ እንተ ሓመመ ናብ ዕዳጋ ክትልኣኽዎ ትኽእሉ።

ምስ ዝተፈላለየ ታሪኽ ህይወት ዘለዎም ሰባት ርክባት ምግባር ዝምረጽ እዩ።ኣብያተ ንባብን (Bibliotheken) ኣብያተ ንዋት ጸወታን (Ludotheken) ኣበይ ይርከቡ?

ሰባት ዝራኸብሉ ቦታታትን መአከብታትን ብኸመይ እረክብ?

ሰብ ኣብ ብዙሕ ይራኸብ፣ ኣብ ዕዳጋ፣ ኣብ ስራሕ፣ ከም ጎረባብቲ፣ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት፣ ወይ ከኣ ኣብ ቦታ ጸወታ። ሓድ ሓደ ግዜ ግና ንስደተኛታት ምስ ደቂ ሃገር ምርኻብ ይኸብዶም እዩ። ስደተኛታት ምስ ደቂ ሃገር ተራኺቦም ምእንቲ ክዘራረቡን፣ ማሕበረ ሰባዊ ዝምድናታት ክፍጠሩን፣ ሓያሎ ትካላትን ማሕበራትን መራኸቢ ቦታታትን ቀረባትን ኣዳልዮም ኣለዉ። ኣብ ትነብሩሉ ኮም ብዛዕባ ዘሎ ቀረባት ተወከሱ። Fachstelle Integration (ክፍሊ ጉዳያት ማሕበረ ሰባዊ ምውህሃድ) እውን ብቁጽሪ ስልኪ 081 257 26 38 ወይ ከኣ ብኢመይል info@integration.gr.ch. ሓበሬታ ይህብ እዩ።

ኣብያተ ንባብን (Bibliotheken) ኣብያተ ንዋት ጸወታን (Ludotheken) ኣበይ ይርከቡ?

ኣብ ቀንዲ ምምሕዳራት ናይ ህዝቢ ቤተ መጽሓፍቲ ይርከቡ። ኣብ ዝነብሩሉ ምምሕዳር ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲታትን ትካላት ትምህርቲን ዝርከቡ ሓደ ሓደ ቤተ መጽሓፍቲን ናይ ሚዲያ ቤተ መጽሓፍቲን ንህዝቢ ክፍቲ እዮም። እንታይ ከምዝርከብን ቅሩብ ዝኾናሉ ሰዓትን ብዝምልኸት ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ንዘሎ ሓበሬታ ይዝርግሑ።

ኣብያተ ንባብ ናይ ልዑል ትምህርቲ ትካላትን ናይ ሞያ መሰልጠንን

ኣብያተ ንባብን (Bibliotheken) ኣብያተ ንዋት መራከቢ ብዙሓንን (Mediothek) ናይ ልዑል ትምህርቲ ትካላትን ትካላት ስልጠናን ብኽፋል ንኹሉ ህዝቢ እውን ክፉታት እዮም። ኣብዚ መስመር ኢንተርነት‘ዚ ዝርዝር መግለጺ ባዛዕባ ቀረባቶምን፣ዝኽፈቱሉ እዋናትን ትረኽቡ።

Kantonsbibliothek Graubünden (ቤት ንባብ ካንቶን Graubünden)

Kantonsbibliothek Graubünden (ቤት ንባብ ካንቶን ግራውብዩንደን) ኣብ Chur ዝርከብ፣ ቤት ንባብ ምርምርን፣ስነ ትምህርትን፣ መዐቀቢ ፌደራላዊ ሰነዳትን እዩ። ብዙሕ ኣርእስቲታት ዝዓምምን ትሕዝቶ ብሉጻት ስርሓት ( Klassiker) ስነጽሑፍን ፊልምን፣ ሙዚቃን ዝሓዘን ከኣ እዩ።

Stadtbibliothek Chur (ናይ ከተማ ቤተ መጻሕፍቲ Chur)

Stadtbibliothek (ናይ ከተማ ቤተ መጻሕፍቲ) Chur ዓቢ ቀረብ ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ንዋት መራኸቢ ብዙሓን ይርከቦ። ምሸትን ቀዳመ ሰንበትን ከኣ ክፉት እዩ።

ኣብ Graubünden ባዛዕባ ትካላት ፈላስያን (ወጻእተኛታት) ኣበይ ክውከስ ይኽእል?

ኣብ ካንቶንና ኣስታት 50 ናይ ፈላስያን ትካላት ይርከቡ። ሓበሬታ ካብ ኮማትኩም ወይ ክፍሊ ጉዳያት ማሕበረ ሰባዊ ምውህሃድ ቁጽሪ ስልኪ 081 257 26 38 ኢመይል info@integration.gr.ch. ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ንካብ ወጻኢ ዝኣተዉ ክፋል ሕብረተ ሰብ ዝምልከት ንዋት መራኸቢ ብዙሓን ዘርእይ ጥርኑፍ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንካብ ወጻኢ ዝኣተዉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝምልከቱ ሓያሎ ናውቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ኣብ ናይ Schweizerischen Roten Kreuzes (ናይ ስዊዘርላንድ ቀይሕ መስቀል) መስመር ኢንተርነት migesmedia.ch ጥርኑፍ ሓበሬታ ትረኽቡ። ብመሰረት ቋንቋ፣ ወይ ከኣ ዓይነት ንዋት መራኸቢ ብዙሓን፣ ንኣብነት ጽሑፍ፣ ናይ ኢንተርነት መድረኽ፣ ፈነወ ራድዮ፣ ፈነወ ተለቪዥን ወይ ከኣ ፈይቡክ ምድላይ ይከኣል። ገለ ቀረብቲ ንኣስተዋጽኦታቶም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት እውን ይዝርግሑ እዮም።

ናብ ክለብ ምእታወይ እንታይ ይሕግዘኒ?

ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ፣ ዕሸላት፣ መናእሰይን ዓበይትን ዘተኣናግዱን ኣገልግሎት ዝህቡን ሓያሎ ክለባት ኣለዎም።

ክለባትን ማሕበራትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ሂወትኩም ኣብ ክለባትን ማሕበራትን ዝሳተፉ ሰባት ርክባትኩም ንምስፋሕ ዕዙዝ ሚና ይፃወቱ። ናይ ኩዕሶ፣ ቼዝ ክለባት፣ ማሕበራት ሙዚቃ፣ ባህላዊ ማህበራት፣ ፖለቲካዊ ማሕበራት፣ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ይርከቡ።

ኣብ ክለባትን ማሕበራትን ብንጥፈት ምስታፍ ዘሐጉስ ኮይኑ ግዜኩም ብንቕሓትን ብዘሕጉስን ንክተሕልፉ ይገብረኩም። ዝረብሕ ነገር ከምዝፍጽሙ ውን ይስመዖም። ስደተኛታት ከምኡድማ ዜጋታት ስዊዘላንድ ብበዝሒ ኣብ ክለባትን ማሕበራትን እናተሳተፉ እዮም። ቋንቋ እቲ ሃገር ንምምሃርን ከማኩም ተመሳሳሊ ድልየት ምስ ዘለዎም ሰባት ንክትራኸቡ ዝሕግዘኩም ቀስብቐስ ምስ ሰባት ዘለኩም ርክባት ክተሰፍሑን ኣብቲ ማሕበረሰብ ወይ ኣብቲ ዲስትሪክት ከለኹም ኣብ ዓድኹም ከምዘለኹም ይስምዐኩም።

ክለባትን ማህበራትን ተመሳሳሊ ድልየት ንዘለዎም ሰባት ክፍቲ እዮም። ብዛዕባ ዘለው ክለባትን መወከሲ ኣድራሽምን ንምፍላጥን ኣበይ ከምዝርከቡ ንምርዳእን ንከባቢያዊ ምምሕዳርኩም ሕተቱ። ብዙሓት ምምሕዳራት ንዝርዝር ክለባትን ማሕበራትን ብኢንተርኔት ይዝርግሑ እዮም።

ብምኽንያት መበቆለይ፣ ሕብሪ ቆርበተይ፣ ሃይማኖተይ፣ ዓይነት ኣነባብራይ ወይ ቋንቋይ ኣድልዎ ከም ዝተገብረኒ ኮይኑ ይስምዓነ ኣሎ። ካበይ ምኽሪ ክረክብ ይኽእል?

ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ዝተፈላለየዩ ዓውድታት ናብራ ከጋጥም ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ስራሕ፣ጉርብትና፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ህዝባዊ ርክባት፣ ወይ ርክባት ምስ ሰበ ስልጣን። Fachstelle Integration (ክፍሊ ጉዳያት ማሕበረ ሰባዊ ምውህሃድ) ኣብ ካንቶን ንጉዳያት ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝምልከቱ ሕቶታት ዝተመዘዘ ክፍሊ እዩ። ሓበሬታን ምኽርን ምርሒትን ከኣ ይህብ። ብቁጽሪ ተሌፎን 081 257 26 38 ኢመይል info@integration.gr.ch. ኣቢልኩም ተራኸቡና