Navigation

Inhaltsbereich

ሓበሬታታት ብዛዕባ ኣገደስቲ ዕለታዊ መነባብሮ ኣበይ ክትረኽቡ ከም ትኽእሉን፣ ንሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድ ዝምልከት ሓበሬታታት ኣበይ ክትረኽቡ ከም ትኽእሉን፣ ኣብ Graubünden ኣየኖት በዓላት ከም ዝኽበሩ ንምፍላጥን - ንዝተጠቕሱን ካልኦት ሕቶታትን መልሲ ኣብ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ትረኽቡ።

ኣገደስቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ዕለታዊ መነባብሮ ኣበይ እረክብ?

ናይ ካንቶን Graubünden ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ናይ ሓበሬታ ጥራዝ

Iኣብ ናይ ካንቶን Graubünden ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ናይ ሓበሬታ ጥራዝ ንኸም ምውህሃብ ሓበሬታ፣ ስራሕ፣ ቤተ ሰብ፣ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ነባርነት፣መድሕናት፣ምንቅስቓሳትን፣ ከባብያዊ ዓለምን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ትረኽቡ። ናይ ሓበሬታ ጥራዝ፣ ብተወሳኺ ዝርዝር ናይ ምኽርን ደገፍን ቀረባት ብ19 ቋንቋታት ይርከቦ።

መድረኽ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት hallo.gr.ch

ንብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ምንባር ዝምልከቱ ብዙሓት ኣገደስቲ ሓበሬታታት፣ ኣብ መርበብ ኢንተርነት hallo.gr.ch. እውን ትረኽቡ ኢኹም። እቲ ሓበሬታታት ብቋንቋታት ኣልባንያ፣ ዓረብ፣ ቦስንያ/ክሮኣስያ/ሰርብያ፣ ዳሪ/ፋርሲ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ፖርቱጋል፣ ሮማንያ፣ ስፐይን፣ ከምኡውን ትግርኛ ይርከብ።

Informationszentrum Integration (ናይ Graubünden ማእኸል ሓበሬታ ምውህሃ)

ጉጅለና Informationszentrums Integration (ናይ ምውህሃድ ማእከል ሓበሬታ) ናይ መንበሪ ቤት ንምርካብ ብኸመይ ከመልክት ይኽእል? ስለምንታይ መድሕን ጥዕና የድልየኒ?ኣብ ምምቕራሕ ኣወጻጽኣ ገንዘብ መን ክሕግዘኒ ይኽእል? ውላደይ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ከባቢ ዝዓብይ እንተ ኾነ፣ ኣነ ብኸመይ ክሕግዞ ይኽእል? ንዝብሉ ሕቶታታት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣገልግሎት ምኽርን ሓበሬታን ይቕርበልኩም።

ሕቶታትን ጉዳይትን ንዓና ዘይምልከቱ እንተኾኑ ናብ ዝምልከቶም ናይ ሞያን ኣገልግሎት ምኽርን ኣካላት ነመሓላልፈኩም።

ብሰብ ሞያን ክኢላታት ምኽርን ዝወሃብ ደገፍ ተጠቐሙሉ። ብቁጽሪ ተሌፎን 081 257 36 83 ወይ ከኣ ብኢመይል info@integration.gr.ch ኣቢልኩም ክትራኸቡና ትኽእሉ።

ሓበሬታታት ናይ ስዊዘርላንድ ሰብ መዚ ኣበይ እረክብ?

ናይ ፌደራልን ካንቶንን ናይ ኢንተርነት መድረኽ ሓበሬታ ch.ch ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያት፣ ወጻእተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ጥዕናን ማሕበረ ሰባዊ ጉዳያትን፣ ትምህርትን ምርምርን፣ ምንቅስቓሳት፣ድሕነት፣ ሃገርን ፍትሕን፣ ጠቓሚ ሓበሬታታት ይቕርብ። ሓበሬታታት ብቋንቋታት ጀርመን፣ ጣልያን፣ሩምንያ፣ ፈርንሳን እንግሊዝን ይቕረቡ።

ኣብ Graubünden ዘለው ሕዝባዊ በዓላት

ኣብ ዞባ (ካንቶን) ግራይሶንስ እዞም ዝስዕቡ መዓልታት ህዝባዊ በዓላት እዩም፡፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድንኳናትውን ዕጽዋት እዩም፡፡ ቅድሚ እቲ በዓል ዝበዓለሉ መዓልቲ (ድርኡ) መብዛሕትኦም ድንኳናት ኣቐድም ኣቢሎም ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ይዓጽው፡፡

  • መዓልቲ ሓድሽ ዓመት (1 ጥሪ)
  • ዓርቢ ስቅለት ናይ ሰንበት ፋሲካ
  • ከምኡውን ናይ ሶኒ ፋሲካ
  • ዕርገት
  • ናይ ሰንበት ጴራቅሊጦስን ናይ ሶኒ
  • ጴራቅሊጦስ
  • ሃገራዊ በዓል (1 ነሓሰ)
  • ጾመ አዋጅ
  • ልደት (25 ታሕሳስ)
  • ቦክሲንግ ዴይ (26 ታሕሳስ)

ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዝኽበሩ ህዝባዊ በዓላት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።