ደረጃታት ፍልጠት ቋንቋ
ኣብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ተኻፈሉ፣ ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን ከኣ ተራኸቡ። ናይ ብዙሓን መራኸብታት ብቋንቋ ጀርመን ተጠቐሙ (ጋዜጣ፣ ዩ ትዩብ፣ ቤት ንባብ) ኣገደስቲ ቃላት ኣብ መዝገብ ቃላትኩም ተወከሱ። ነቲ ዝተመሃርኩምዎ ደጋግምዎ፣ ንቋንቋ ጀርመን ኣገዳሲ ክፋል መዓልታዊ ህይወትኩም ግበርዎ።
A0
A0.1 / A0.2 / A0.3
ኣስታት 170 ምዕራፋት
ምስማዕ
- ቁጽርታት ምፍላጥ
- ካብ ዕለታዊ ህይወት ገለ ቃላት ምርዳእ
ምንባብ
ምዝራብ
- ብሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባት ንርእስኻ ምስ ካልኦት ምልላይ
- ፍሉጣት ቃላት ርዱእ ጌርካ ምድማጽ
ምጽሓፍ
- ቃላትን ሓጸርቲ ምሉኣት ሓሳባትን ምጽሓፍ
A1
A1.1 / A1.2
ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት
ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ መልክዕ ምጽሓፍ
ምስማዕ
- ኣቆጻጽራ ሰዓታት ምርዳእ
- ቀለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒታት ምርዳእ
ምንባብ
- ናይ ጻውዒት ዕድመ ምርዳእ
- ቀሊል ምልክታ መራኸቢ ብዙሓን ምርዳእ
ምዝራብ
- ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ስድራኻን ሓበሬታ ምሃብ
- ቆጸራ ምግባር
- ቆልዓ ካብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝበኩር ምንጋር፣ ንወሃብ ስራሕካ ምሕማምካ ምሕባር
ምጽሓፍ
- ቀሊል ቅጥዒ ምምላእ
- ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ምሕማምካ ንምሕባር)
A2
A2.1 / A2.2
ኣስታት 100 – 180 ምዕራፋት
ኣብ ስዊዘርላንድ ንቐለልቲ መዓልታውያን ፍጻመታት ባዕልኻ ቋንቋ መሊኽካ ምግላጽ
ምስማዕ
- ኣብ ባንክ ወይ ፖስታ ቀንድን ኣገደስትን ሓበሬታታት ምርዳእ
- ቀለለልቲ ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒታት ምርዳእ
ምንባብ
- ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተላእከ ቀሊል ደብዳበ ምርዳእ
- ኣገደስቲ ሓበሬታት ናይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ጋዜጣ ምርዳእ
ምዝራብ
- ቀሊል ናይ ተሌፎን ዝርርብ ምግባር
- ካብ ባንክ ወይ ፖስታ ሓበሬተ ምውካስ
- ብዛዕባ ተመኩሮታትካ ንኣብነት ብዛዕባ መገሻ ምዝራብ
ምጽሓፍ
- ናይ ባንክ ወይ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ቅጥዒ ምምላእ
- ቀሊል ኢመይል ምጽሓፍ (ንኣብነት ንዓርክኻ ምዕዳም)
B1
B1.1 / B1.2 / B1.3
ኣስታት 120 – 200 ምዕራፋት
ገለ ቃላት ብልክዕ ምንባብን ምርዳእን
ምስማዕ
- ኣብ ዝርርባት፣ ራድዮን ተሌፎንን ቀንዲ ሓበሬታ ምርዳእ
- ናይ ስራሕ ኣፈጻጽማ መምርሒ ምርዳእ
ምንባብ
ምዝራብ
- ብዛዕባ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣጻሪኻ ምዝርራብ፣ ብዛዕብኡ ርእይቶኻ ምሃብ
- ኣብ ናይ ወለዲ ኣኼባ ምስታፍን ሓሳባት ምሃብን
- ብዛዕባ ስራሕን ትካል ስራሕን ምዝራብ
ምጽሓፍ
- ቀሊል ናይ ስራሕ ጸብጻብ ምጽሓፍ
- ብሕታዊ ወይ ሓውሲ ወግዓዊ ኢመይል ምጽሓፍ
B2
B2.1 / B2.2 / B2.3
ኣስታት. 180 – 200 ምዕራፋት
ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ብ EFZ-Lehre (ፈደራላዊ ናይ ሞያ ብቕዓት) ምዝዛም
ምስማዕ
- ናይ ቴለቩዥን ኣገልግሎት ኣብ ምክትታልን፣ምስ ናይ ኣደ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣብ ምዝርራብን መብዛሕትኡ ትሕዝቶ ምርዳእ
- ኣብ ዓውደ ሞያኻ ዝግበር ዝርርብ ምጽራይ ትሕዝቶ ነገራት ምርዳእ
ምንባብ
- ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ኣንቢብካ ቀንዲ ነጥብታት ምርዳእ
- ኣብ ዓውዲ ሞያኻ፣ ዝተሓላለኹ መምርሒታት ምርዳእ
ምዝራብ
- ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ንጹርን ሰፊሕን መግለጺ ምሃብ፣ ሓሳባት ምትግባርን ኣብነታት ምሃብን
- ሓደ ንጹርን ስሩዕን ምርኢታዊ ገለጻ ምቕራብን፣ ካብ ሰማዕቲ ንዝቐርቡ ሕቶታት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ምምላስን
- ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ፣ ንቡር ወይ ናይ ምጽራይ ዝርርባት ብቐሊል ምክያድ
ምጽሓፍ
- ወግዓዊ ኢመይላት ምጽሓፍ (ጥርዓን፣ ምልክታ፣ ርእይቶ)
C1
C1.1 / C1.2 / C1.3
ኣስታት 180 – 200 ምዕራፋት
ኣብ ሓደ ናይ ሞያ ልዑል ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር
ምስማዕ
- ዋላኳ እውን ብዛዕባ ዘይትፈልጦም ጉዳያት ይኹን፣ ዝተሓላለኹ ዝርርባት፣ ናይ ሞያ ገለጻታትን ናይ ምጽራይ ዝርርባትን ምርዳእ
ምንባብ
- ጥርኑፍ ትሕዝቶ ናይ ነዋሕትን ዝተሓላለኹን ጽሑፋት ምርዳእን፣ብረቂቕ ፍልልያት ትርጉም ዘለዎም ቃላት ዝተኣመቱ ኣተሓሳስባታትን ርእይቶታትን ምግንዛብን
- ንሓደስቲ ናይ ስራሕ ኣቕሑ ወይ ከኣ መስርሕ ዝምልከቱ ነዋሕትን ሕልኽልኻትን መምርሕታት ምርዳእ
ምዝራብ
- ብዛዕባ ሓደ ዝተሓልካለኸ ጉዳይ፣ ብዝተሰርዐ ኣገባብ ምዝራብ፣ መርገጽካ ምቕራብን ምኽኑይነቱ ምግላጽን፣ ኣብነታት ምሃብን
- ኣብ ሓደ ሞያዊ ናይ ምጽራይ ዝርርብ ምክፋል
ምጽሓፍ
- ብዛዕባ ዝተሓላለኹ ጉዳያት፣ ብንጹርን ዝተሰርዐ ኣገባብን ምጽሓፍ (ወግዓውያን ኢመይላት፣ ጸብጻባት፣ ፕሮቶኮላት፣ ምርኢታውያን ገለጻታት)
C2
C2.1 / C2.2 / C2.3
ኣስታት.. 180 – 200 ምዕራፋት
ኣብ ኩሉ ክእለታት (ምስማዕ፣ ምንባብ፣ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ) ዳርጋ ምስ ናይ ኣደ ቋንቋ ተዛረብቲ ዝዳረግ ደረጃ
ምስማዕ
ምንባብ
ምዝራብ
- ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ጽሑፍን ቃልን ማዕከናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ምጽሟቕ
- ዋላውን ኣብ ዝተሓላለኸ ጉዳያት፣ከይተዳለውካን ብዘይ ሰጋእመጋእን ብልክዕ ሓሳባትካ ምግላጽ።
ምጽሓፍ
- ዝተሓላለኹ ጽሑፋት ብብቑዕ መልክዕ ምጽሓፍ