Navigation

Inhaltsbereich

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ጥዕና ኣበይ ሓበሬታ ከም ትረኽቡን፣ኣብ ስዊዘርላንድ ስርዓት ናይ ጥዕና መድሕን ከመይ ከም ዝኾነን፣ ንስነ ኣእምራዊ በሰላ (Trauma) ዘለዎም ሰባትን ዝምልከት ቀረባትን ካልእ ጉዳያትን ኣብዚ መልሲታት ትረኽቡ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ንስርዓት ጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ስርዓት ጥዕና ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተሓላለኸ እዩ፣ ስለዚውን ብዙሓት ሰባት፣ ናይ ጥዕና መድሕን ገንዘባዊ ኣሰራርሓ ከመይ እዩ? እንተ ሓመምኩ ወይ ብሓደጋ እንተ ተጎዳእኩ ምስ መን እየ ዝራኸብ? ከም ተሓካሚ መጠን መሰላተይን ግቡኣተየን ኣየኖት እዮም? ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕማም ከመይ ገይረ ክከላኸል ይኽእል? እናበሉ ይሓቱ።

ንምዕባለ፣ ክንክን፣ ኣመጋግባን፣ መዕበያን ንእሽቶ ውላደይ ዝምልከቱ ሕቶታታት ኣለዉኒ። ኣብይ ምኽሪ ክረክብ ይኽእል?

ህጻናትን ዕሸላትን ውላድ ዘለዎም ስድራ ንኣማኸርቲ ወለዲ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብኡ ንሕቶታት ኣመጋግባ፣ ክንክን፣ ኣተሓሕዛ፣ ኣተዓባብያ ቆልዓ ዝምልከት ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ። ቆልዓኹም ኣዘውቲሩ ዝበክይን ዘይርጉእን እንተ ኾነን ኣብኡ ምኽሪ ምርካብ ትኽእሉ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናይ ምኽሪ ማእከል ክትከዱ ትኽእሉ። ድልየትኩም እንተ ደኣ ኮይኑ፤ ኣማኸርቲ ኣብ ገዛኹም ክበጽሓኹም፣ ወይ ብቴሌፎን ፣ ወይውን ናይ ኢንተርነት መስመራዊ ሓበሬታ ክህባኹም ይኽእላ።

ንቐረብ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣብ ዞባኹም ዝምልከቱ ሓበሬታታት፣ ካብ ትነብሩሉ ኮም ወይ ከኣ ኣብ መስመር ኢንተርነት ሰብ መዚ ጥዕና ግራውብዩንደን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ንጥንሲ፣ ምክልኻል ጥንስን፣ ብወሲብ ዝመሓላለፉ ረኹሲታትን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ትካል Sexuelle Gesundheit Schweiz (ወሲባዊ ጥዕና ስዊዘርላንድ) ኣብ ገጽ ብዙሐ - ቋንቋዊ መርበብ ኢንተርነት sex-i.ch ኣብ ሞያዊ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ንወሲባዊ ጥዕና ዝምልከት ሓበሬታታት ይህብ። ኣብኡ ብዛዕባ ክፍሊ ኣካላት ወሲብ፣ ዝተፈላለየ ኣገባባት ምክልኻል፣ ጥንሲ፣ ምቁራጽ ጥንሲ፣ ምክልኻል ጥንሲ ብድሕሪ ሕርስን ብዛዕባ ምክልኻል ብሳዕቤን ወሲባዊ ርክባት ዝላብዑ ረኹሲታትን ሓበሬታ ትረኽቡ።

ንውልቃዊ ምኽሪ ብዝምልከት ጉዳይ ብኽብረትኩም ንናይ ስድራ ቤትኩም ሓኪም ወይ ንኣገልግሎት ምኽሪ ወሲባዊ ጥዕና ተወከሱ። ኣብ ግራውብዩንደን ን Adebar – Fachstelle für sexuelle Gesundheit und Familienplanung (ክፍሊ ጉዳያት ወሲባዊ ጥዕናን ምምዳብ ምውላድን) ወኸሳኹም ከተቕርቡ ትክእሉ። ምስ ኣማከርቲ ብስልኪ ቁጽሪ 081 250 34 38 ወይ ከኣ ብኢመይል beratung@adebar-gr.ch. ኣቢልኩም ብምርኻብ ቆጸራ ክትገብሩ ትኽእሉ።

ብስነ ኣእምራዊ በሰላ (Trauma) እሳቐ ኣለኹ፣ ካበይ ረዱኤት ክረክብ ይኽእል?

ውግእ፣መግረፍቲ፣ ክትትልን ስደትን ዘጋጠሞም ሰባት ከቢድ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ጉድኣት ክበጽሖም ይኽእል። ስነ ኣእምራዊ ጉድኣት ዝድህሰስኳ ኣይኹን እምበር መሪር ስቓይ ከስዕብን ኣብ ዕለታዊ ናብራ ክዓናቕፍን ዝኽእ ። ድቃስ ዝኸልእን፣ ድኻም ዘስዕብን፣ ወይ ከኣ ፍርሒ ዘለዓዕ

ን ክኸውንን፣ ሓያሎ ኣካላዊ ምልክታት ከርእይ ‘ውን ዝኽእል እዩ። ገለ ሰባት ብስነ ኣእምራዊ ጸቕጢ ይሳቐዩ። ብሳዕቤን ስነ ኣእምራዊ በሰላ (Posttraumatischen Belastungsstörungen) ዝሳቐዩ ሰባት ምኽሪ ናይ ሞያውያን ክውከሱ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ናብ 10 ቋንቋታት ዝተተርጎመ ናይ ሓበሬታ ጥራዝ "Wenn das Vergessen nicht gelingt" ("ምርስዑ እንተ ኣበየኩም") ብመልክዕ PDF ካብ ኢንተርነት ኣውሪድኩም ተወሳኺ መረዳእታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣነ ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ተከንሺበ እየ። ኣበይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንሻብ (Female Genital Mutilation/Cutting FGM/C) ብዙሕ ኣካላውን ወይውን ስነ ኣእምራውን ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል። ኣብዚ እቲ ዝተፈላለየ መ ክዓት ምኽንሽብ ዝጻወቶ ግደ ኣለዎ። ንኣብነት ብራኸ ደረጃ ናይቲ ምኽንሻብ ወይ ከኣ ናይ ኣፈጻጽምኡ ኩነታት። ዝተኸንሸባ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣየኖት ዓይነታት ምኽንሳብ ኣለዉ? ጥንስቲ እየ ዘለኹ፣ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ዝወልዶ ቆልዓይ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? ክሸይን ከለኹን ኣብ እዋን ጽግያተይን ይቑንዘው እየ፣ ኣባይ ደገፍ ክረክብ ይኽእል?ፍሉይ ሕክምና ዝግበረለይ እንተ ደኣ ኮይኑ ናይ ጥዕና መድሕነይ ነየኖት ኣገልግሎታት ይኸፍለለይ? ዝብል ሕቶታት ከቕርባ ይኽእላ። ክፍለጥ ዝግብኦ ዝምልከተን ደቂ ኣንስትዮ መሰል ምክልኻልን ሓገዝን ከም ዘለወን እዩ። ሓበሬታ፣ ምኽርን ደገፍን ካብ ዝስዕባ ኣካላት ክርከብ ይከኣል፡

Netzwerk Mädchenbeschneidung (መርበብ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ስዊዘርርላንድ)

ናይ ኢንተርነት መርበብ Netzwerk gegen Mädchenbeschneidung Schweiz (መርበብ ኣንጻር ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ስዊዘርርላንድ) ኣብ ገጻ ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታታት ብቁንቋታት ዓረብ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ እንግሊዝን ትግርኛን ትቕርብ።

ገንዘብ ዘይክፈሎ ቆጸራ ምቁጻር እውን ይከኣል ። እንተ ተደልየ ስምካ ከይተመዝገበን ምስ ተርጓሚ ዘለዎ ኮይኑ ክካየድ ይከኣል። ምስ ኣማኸርቲ ብቁጽሪ ስልኪ፡ 041 419 23 55 ወይ ከኣ ብኢመይል፡ beratung@maedchenbeschneidung. ምርኻብ ይክኣል።

Adebar – Fachstelle für sexuelle Gesundheit und Familienplanung (ክፍሊ ጉዳያት ወሲባዊ ጥዕናን ኣመዳድባ ምውላድን)

ኣብ ግራውብዩብደን እውን ንጉዳይ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዞባዊ መወከሲ ኣሎ። ምስ ኣማኸርቲ Adebar – Fachstelle für sexuelle Gesundheit und Familienplanung (ክፍሊ ጉዳያት ወሲባዊ ጥዕናን መደብ ምውላድን) ብቁጽሪ ስልኪ፡ Telefon 081 250 34 38 ወኣ ከኣ ብኢመይል፡ beratung@adebar-gr.ch. ቆጸራ ምግባር ይከኣል።

ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ እዩ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ከኣ ከም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ክልኩል እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ብመሰረት ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ኣብ ዓንቀጽ 124 (Art. 124 StGB) ተሰኒዱ ይርከብ።