Navigation

Inhaltsbereich

ብዛዕባ ምክራይ ቤት ንዝለዓሉ ሕቶታት ኣበይ መልሲ ከም ትረኽቡን፣ ኣብ ምግዓዝ ብዛዕባ እንታይ ክትሓስቡ ከም ዝግብኣኩምን፣ ብኸመይ ኣገባብ ገንዘብ ቆጢብኩም ከም ትጉሕፉን፣ ካልእ ሕቶታትን ኣብዚ መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡

ኩለንተናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ምርካብ መንበሪ ቤት ኣበይ እረክብ?

ኣብ ናይ ሓበሬታ ጥራዝ "Wohnen in der Schweiz" ("ኣብ ስዊዘርላንድ ምቕማጥ ") መልሲታት ምስ ናይ መንበሪ ቤት ምክራይ ተተሓሒዞም ክልዓሉ ንዝኽእሉ ሕቶታት ትረኽቡ።

ትሕዝቶ ብሓጺሩ

  • መን እንታይ ይገብር? ኣገደስቲ ተዋሳእቲ ጉዳይ
  • ቤት ምክራይ ካብ ምልክታ ክሳብ ምርካብ ቤት
  • ምስ ጎረባብቲ ብሓንሳብ ምንባር
  • ክፍለጥ ዝግብኦ ምኽርታት ንዕለታዊ ናብራ
  • ውልቃዊ መረዳእታን ምኽርን ትረኽቡሉ ኣብያተ ሓበሬታን ኣገልግሎት ምኽርን

ናይ ሓበሬታ ጥራዝ ብሓልዮት Bundesamt für Wohnungswesen (ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ንጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ) ትዝርጋሕ። ንኽትወርድ ድማ ብ 18 ቋንቋታት ብመልክዕ PDF ኣብዚ ተቐሪባ ትርከብ።

ካብ ናይ እኩባት መዕቆቢ ናብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ንኽግዕዝ መሰል ዘለዎ መን እዩ?

ግዝያዊ ተቐባልነት ዘለዎም ሰባት (Ausweis F) ካብ ናይ እኩባት መዕቆቢ ናብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ንኽግዕዙ፣ትሕዝቶ ገንዘቦም እኹልን ምሉእን እንተ ኾነ ጥራይ እዩ። ኩሎም ኣገደስቲ ረቛሒታት ምልክትኦም ከኣ ብሰብ መዚ ምውሃብ መንበርን ምእላይን ብብሕቲ ይምርመሩ።

ብመንጽር ስነ ምጣነ ሃብቲ፣ ርእሶም ክኢሎም ዝበሃሉ፣ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝተወሃሃዱን፣ ብገንዘቦም ዝናበሩን እዮም። ብመሰረቱ ብስራሐ - ምጣነ ሃብቲ ተወሃሂዱ ዝበሃል፣ እንተ ወሓደ ናይ 80 % ተዋፋራይ ወይ ብስሩዕ ንዝደጋገሙ ክፋላት ግዜ ገደብ ብዘይብሉ ውዕል ስራሕ ተቖጺሩ ዝሰርሕ እንተ ኾነ እዩ።

ንሓደ ሰብ ኣብ እዋን ምግዓዝ ናብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ምሉእ ብምሉእ ብገንዘቡ ዝናበር ክኸውን ኣለዎ። እዚ መሰረታዊ መዐቀኒ ኣብ ዘይማላሉ ኩነት እቲ ጉዳይ ብሰብ መዚ ምውሃብ መንበርን ምእላይን ብብሕቲ ይጻረ።

ናይ ዑቕባ ተፈላጥነት ዝተዋህቦምን፣(Ausweis B) ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡን (Ausweis F) ጉዳዮም ውሳነ ምስ ተዋህቦ፣ ካብ ናይ እኩባት መዕቆቢ ናይ ቤት ጽሕፈት ፍልሰትን ሲቪላዊ መሰልን ብምውጻእ ናይ ብሕቲ መንበሪ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎም። እንተ ደለዩ ስደተኛታት ካብ ካንቶን ኣብ ምድላይ ገዛ ክሕገዙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ውሳነ ካብ ሚኒስትሪ ፍልሰት (SEM) ድሕሪ ምውሃቡ፣ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ሰባት ካብ ናይ ካንቶን ቤት ጽሕፈት ማሕበረሰባዊ ረድኤት (Sozialamt) ሓበሬታ ብዛዕባ ምድላይ ገዛ፣ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርትን ካልእ ኣገደስቲ ዛዕባታትን ዝሓዘ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ደብዳበ ይለኣኽ።

ገዛ ክቕይር እየ፣ ገለ ምእንቲ ከይርስዕ ናይ መዘኻኸሪ ዝርዝር (Checkliste) ኣበይ እረክብ?

ኣብ ምግዓዝ ቤት ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ምሕሳብ የድልይ፣ ንኣብነት ካብን ናብን ዝነበርኩሙሉን ትግዕዘሉን ኮማት ምልክታ ነባርነት ምስራዝን (Abmelden) ምቕራብን (Anmelden)፣ ቆጻሪ ምእንቲ ከንብብዎ ንዓደልቲ ኤለትሪክን ማይን ምሕባር፣ ንፖስታን፣ ባንክን ትካላት መድሕንን፣ ናይ ምባይልን ኢንተርነትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ሓድሽ ኣድራሻ ምንጋር።

ኣብ መድራኽ ሓበሬታ Comparis ንምግዓዝ ዝምልከቱ ብዙሓት ጠቐምቲ ምክርታት ትረኽቡ። እቲ ሓበሬታታት ብቋንቋታት ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳን ጣልያንን ተቐሪቡ ይርከብ።

ከም መጠን ተኻራዪ ኣብ እንታይ ክጥንቀቕ ይግብኣኒ?

ኣብ ሕንጸ መጽለሊ ብዙሓት ኩሎም ተካረዪቲን ነበርቲን ብሰላም ሓቢሮም ንምንባር ምሕሳብ ብጣዕሚ ጠቃሚዩ። ኩሉ ሰብ ክግዛኢሉ ዝግባእ ዝተወሰነ ደንቢታት ኣለዋ። እዚኦም ኣብ ደንቢታት ገዛ ብዝርዝር ተቀሚጠም ይርከብ። ንእሽቶ ቁልፊ ደንቢታት ዝስዓቡ እዮም:-

ኣብ ምሽት ጫውጫውታ ክፍጠር የብሉን፡ እዚ እዋን ብተለምዶ ካብ 10 P.M ክሳብ 7 AM ን ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ምስሕ እዋ 1 P.M እዩ። ደኣብዚ እዋ ድምጺታት ቴሌብዝንን መዜቃታት ትሑት ክከውን ኣለዋ። ከምኡውን ዝርብሽ ነገራት ክገብሩ የብሎምን። ስንበትን ኣብ እዋን ናይ ሕዝቢ በዓላት ዝርብሽ ድምፂ ክገብሩ የብሎምን። ምናልባት የዓርክቶም ንፓርቲ እንተደኣ ጋቢዞም ኣቀዲምም ንጎረባብቲ ከፋልጡ ኣለዋም።

ናይ ሓባር መገልገሊ ቦታ/ክፍሊ፡- ኮሪደር ደረጃታት ናይ መክዘን ስፋራታት ላወንደሪ/ናይ ግልጋሎት ክፋሊ ኣብ ኩሎም መጸለሊታት ክህልወ ኣለዋ። በጃኹም ጸሩይ ጌሮም ይሓዝዋ ኣብዚ ስፋራታት ንወ ልቀ ኣገልግሎት ዝወዓሉ ኣየቀምጡ።

ላውንደሪን ክፍሊ ግልጋሎት፡- ናይ ላውንደሪ ክፋሊ/መገልገሊ ክፋ እንትጥቀሙ ዝቀቀመጡ ደንቢታት ብትክክል የክብሩ ከምኡውን እቺ ላውንደሪ ምስተጠቀሙ ጸሩይ ጌሮም ይግደፋዋ። እዚ ምግባር ምስ ካልኦት ተቀማጦታት ክፋጠር ዝክእል ዘይምርድዳእ ክፋትሓጀ ይክእል ከምኡውን ጸቡቕ ሀዋሁ ክህልው ይሕግዝ።

ኣብ ምጽራይ ናይ ክፍሊታት ምድሪ ቤት፣ መናድቕ፣ ክሽነን መሕጸብ ኣካላትን፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣገባባት ምጽራይ መንበሪ ቤት፣ ወይ ገዛ ክፈላለዩ ከም ዝኽእሉ ፍለጡ። እዚ ብዝምልከት ወኸሳኹም ናብ ኣላይ ቤት፣ ምምሕዳር ወይ ከኣ ኣካርዪ ቤት ኣቕርቡ።

ሽጋራ ምትካኽ፡- መብዛሕቲኦም ሕንጻታት ሽጋራ ኣብ ደረጃ ኣብ ናይ ሓባር መገልገሊ ቦታን ኣብ ሊፍትን ምትኻኽ ኣይፈቅድንዮም ከምኡውን ሓደ ሓደ ኣፓርታማታ ሽጋራ ዘይትከከሎም ቦታታት ሽጋራ ምትካክ ኩልኩልዩ ይብሉ።

ሕቶታት፥ ሕቶታት እንተ ደኣ ኣለውኹም፣ንኣላይ ቤት፣ንምምሕዳር ወይ ከኣ ንኣካራዪ ቤት ምውካስ ይበልጽ።

ኣብ ምድርባይ ጉሓፍ ከመይ ገይረ ወጻኢታተይ ከውሕድ ይኽእል?

ኣየኖት ዓይነት ጉሓፋት ካብ ገዛኹም ከም ዝውሰዱ፣ ኣየኖት ከኣ ባዕልኹም ናብ ናይ ኩሉ ሰብ መአከቢ ጉሓፍ ከተብጽሑ ከም ትኽእሉ ካብ ኮምኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትክእሉ። ብኽብረትኩም ንዝስዕብ መምርሒ ኣስተውዕልሉ፡ ጠራሙዝ ኣብ ውሱን እዋናት ጥራሕ ንኽውሰዱ ይቕረቡ። ኣብ ጥቓ መአከብ ጉሓፍ ጠራሙዝ ዝነብሩ ተቐማጦ ነዚ እንተ ኣኽበርኩም የመስግንኹም።

  • ጥርሙስን ታኒካታትን
  • ወረቐትን ካርቶንን
  • ዱኽዕን ናይ ልደት ገረብን
  • ዶግላጽ ጓሓፍን (ንኣብነት ኣቑሑት ገዛ፡ምንጻፍን) ከምኡውን ሓጺን
  • ባትሪን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኣቕሓ
  • መድሓኒታት
  • ዘይትን ተጓዳእቲ ቅብኣታትን ንኣብነት ሕብሪ፡ ቫርኒሽ፡ ሜርኩሪ ወዘተ
  • ክልበሱ ዝኽእሉ ኽዳውንቲ

ኣየኖት ዓይነት ጉሓፋት ካብ ገዛኹም ከም ዝውሰዱ፣ ኣየኖት ከኣ ባዕልኹም ናብ ናይ ኩሉ ሰብ መአከቢ ጉሓፍ ከተብጽሑ ከም ትኽእሉ ካብ ኮምኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትክእሉ። ብኽብረትኩም ንዝስዕብ መምርሒ ኣስተውዕልሉ፡ ጠራሙዝ ኣብ ውሱን እዋናት ጥራሕ ንኽውሰዱ ይቕረቡ። ኣብ ጥቓ መአከብ ጉሓፍ ጠራሙዝ ዝነብሩ ተቐማጦ ነዚ እንተ ኣኽበርኩም የመስግንኹም።